ሓደ ሃገር ዘፅንዐ ንኣህጉር እውን ዝተረፈ – ልዕልና ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዲፕሎማሲ ዝበፅሐቶ ብራኸ ብሓንቲ ፀሓይ ዝመፀ ኣይኮነን። እኳደኣስ ንብዙሕ ዓመታት ብጥንቃቐ ዝሃነፀቶ ደረጃ ዓወት እዩ።
ካብ ጥንታዊ ናይ ንግዲን ዲፕሎማሲን ዝምድናታት ጀሚሩ ክሳብ ምስረታ ሕቡራት መንግስታትን ውድብ ሓድነት ኣፍሪካን ብንጥፈት ዝተሳተፈት ኢትዮጵያ፤ ሎሚ እውን ነዚ ታሪኻ ብምቕፃል ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ተሰማዕነት ረኺባ እያ።
ጥንካረ ዲፕሎማሲ ሃገራት ካብ መዓልታዊ ክብሪ ህዝበን ይፍልፍል። ኢትዮጵያውያን ድማ ባህሊ ምቕባል ጋሻ፣ ሰላም፣ ትዕግስቲ፣ ዕቤትን ዓወትን ዝውንኑ ህዝቢ እዮም።
ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ንኽምስረትን ኣፍሪካውያን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኽናገፉን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ድምፂ ንኽህልዎም ዋጋ ዝኸፈለት ኢትዮጵያ ሎሚ እውን ከም ብሪክስ ኣብ ዝበሉ ዝተፈላለዩ መድረኻት ድምፂ ኣፍሪካውያን ብምዃን ትቕፅል ኣላ።
ብምዃኑ ድማ ኣብ ዲፕሎማሲ ዝበፅሐቶ ልዑል ደረጃ ካብ ዶባት ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንኣህጉር ኣፍሪካ እውን ዝጠቅም ምዃኑ ክግለፅ ይኽእል።
ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተኣኪበን ዝዝትያሉን ውሳነታት ዝህባሉን መቐመጢ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላትን ኮይና ኣላ።
ኣብቲ ብቐልጡፍ ኣብ ዝለዋወጥ ዓለም ለኸ ምህዳር ዲፕሎማሲ ሃገራዊ ረብሓታታ ንምሕላው ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻትን ብንቕሓት ተሳቲፋ እያ። እታ ሃገር ኣብ ናብ ፈተና ኣብዝኣተወትሎም ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዓቕሚ ዲፕሎማሲኣ ብግቡእ ተጠቒማ ነቶም ፈተናታት ሓሊፋቶም እያ።
ፀቕጢ ወፃኢ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነቱ ብምጥንኻር ክብሩን ሉኣላዊነቱን ንምሕላው ዘርእዮ ቆራፅነትን ቃልሲን ሓደ ካብቶም መግለፂታት ዓቕሚ ዲፕሎማሲ እዩ።
ብንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ዝተሃነፁ ከም ግድብ ህዳሰን ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታትን ድሌት ኢትዮጵያ ንልምዕዋትን ውሽጣዊ ዓቕማን ካብ ምርኣይ ሓሊፎም ኣብ ዲፕሎማሲ ፅልዋ ንምፍጣር ልዑል ግደ ኣለዎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ተለዋዋጢ ዓለም ካብ ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ዘይወገነት ዘይሻራዊ ዲፕሎማሲ ቅዋም ትኽተል። ነባር መሓዙታ ኣጥቢቓ እናቐፀለት ከም ብሪክስ ኣብ ዝበሉ ምትሕብባራት ካብ ተሳታፊነት ሓሊፋ፣ ኣጀንዳ ኣብ ምቕራፅ እውን ግደኣ እናተዋፀአት ትርከብ።
እዚ ድማ ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ሓደሽቲ ዕድላት ናይ ምጥቃም ዲፕሎማስያዊ ጥበብ ተገይሩ ይውሰድ።
ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ብህዝባ ውሽጣዊ ጥንካረን መንፈስ ኣይምብርከኽን ብሄራዊ ረብሓታታ እናሓለወት ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ልዑል ምዕባለ እናመዝገበት ትርከብ።