Fana: At a Speed of Life!

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዋላ ሓንቲ ባህሪ ትግራዋይነት የብሉን — ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝበቖለ ውድብ እኳ እንተኾነ ዋላ ሓንቲ ባህሪ ትግራዋይነት የብሉን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ መሕትት፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እናደኸመን እናጠፍአን ይኸይድ ኣሎ ኢሎም።

መራሕቲን ፖለቲካዊ ውድባትን ይመፅኡ ይወድቁ፤ መንግስታት እውን ይቀያየሩ ኢዮም ህዝቢ ግን ክቕፅል እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝበቖለ ውድብ ምዃኑን፣ ኣባላቱ እውን ብዝበዝሑ ተጋሩ ይኹኑ እምበር ናይ ትግራዋይነት ጨና የብሉን ዝበሉ እቶም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዋላ ሓንቲ ባህሪ ትግራዋይነት የብሉን ኢሎም።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝመርፆ ኣተሓሳስባን መሓዛን፤ ዝኽተሎ ፖሊሲን እምነትን ምስ ክብሪ ህዝቢ ትግራይ ዝሳነ ከም ዘይኮነ እውን ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብዙሕ ዋጋ ከም ዝኸፈለ ብምፅራሕ፤ “ኣነ ዘሐጉሰኒ ነገር፣ ሕዚ ሓቂ እናነፀረ ምምፅኡ እዩ” ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ከም ወትሩ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ክቕፅል እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ ህዝቢ ትግራይ ሃገሩ ኣብ ምህናፅ ከይዲ ከም ወትሩ ግደኡ ክዋፃእ እዩ ክብሉ ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.