ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዝሃብዎ መብራህርሂ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት መንነት ብግልፂ ዘጋለፀ እዩ – ነበርቲ ከተማ መቐለ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝሃብዎ መብራህርሂ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት መንነት ብግልፂ ዘጋለፀ እዩ ኢሎም ነበርቲ ከተማ መቐለ፡፡
ነባሪ ከተማ መቐለ ዝኾኑ ገብረህይወት ሕሉፍ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ትማሊ ምሸት ብቋንቋ ትግርኛ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ህዝቢ ትግራይ ዝደልዮን ዝቕበሎን እዩ ኢሉ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት፣ መንእሰያት ዴሞክራስያዊ መሰላቶም ከይጥቀሙ ዝዓገተን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድኽነትን ድሕረትን ክፀንሕ ዝገበረን ጉጅለ ምዃኑ እውን ገሊፆም።
ካልእ ነባሪ ከተማ መቐለ መሓሪ ይስፋህ ብወገኑ፣ እቲ ጉጅለ ንሰባቱ ጥራሕ ብረብሓዊ ርክባት ብምእካብ ገንዘብ ክዘርፍ ዝፀንሐ እምበር ንህዝቢ ትግራይ ዘምፅኦ ልምዓት የለን ኢሉ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ከምቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዝገለፅዎ ምስ ኣተሓሳስባን ስነ ኣእምሮኣዊ ባህርያትን ህዝቢ ትግራይ ዘይኸይድ ምዃኑ እውን ገሊፁ።
እቲ ጉጅለ ንመንእሰያት ትግራይ ንሞት፣ ጥሜትን ስደትን ዳሪጉ እዩ ክትብል ዝገለፀት ካልእ ነባሪት ከተማ መቐለ ገነት ደሳለኝ እያ።
ከም መብርሂ እታ መንእሰይ፣ እቲ ጉጅለ “ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ እዮም” ብምባል መንእሰያት ካልእ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ከይህልዎም ብምግባር ኣብቲ ክልል እንኮ ወኪል ፖለቲካ ኮይኑ ክንቀሳቐስ ፀኒሑ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ፀላኢ ከም ዘለዎ ፕሮፓጋንዳ ብምንዛሕ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ህዝብታት ክጣባእን ብጥርጣረ ክረኣኣን ክገብር ከም ዝፀንሐ እውን ኣልዒላ።
ብምኽንያት እዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ብቋንቋ ትግርኛ ዝገበርዎ ቃለ መሕትትን ዝሃብዎ መብርህን ብምሉኡ ህዝቢ ትግራይ ዝቕበሎ እዩ ክትብል ገሊፃ።