ልኡኽቶ ኣብ ሓፂር እዋን ብዓወት ዝዛዝም ዘመናዊ ሓይሊ ኣየር – ሊሎ ሰማይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሉኣላዊነት ሓንቲ ሃገር ብዘተኣማን ኩነታት ንምኽባር ካብ ዘኽእሉ ረቛሒታት ሓደ ግዚኡ ዝጠልቦ ሓይሊ ኣየር ምህናፅ እዩ።
ዋና ልኡኽቶ ሓይሊ ኣየር ናይ ሓንቲ ሃገር ክልል ኣየር ብጥንቃቐ ምክትታል፣ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ብቕልጡፍ ምልላይን ብብቕዓት ምክልኻልን እዩ።
ነዚ ልኡኽቶ ንነዊሕ ዓመታት ብጀግንነትን መስዋእትነትን ዝፈፀመ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፤ ሎሚ ናይ ትማሊ ተሞክሮ ውግእ ምስ ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ትካላዊ ሪፎርምን ብምውህሃድ ዶብ ሰማይ ንምሕላው ተዳልዩ ይርከብ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ 90 ዓመታት ብልዑል ተሞክሮ ውግእ፣ ብጀግንነትን መስዋእትነትን ሓሊፉ እዩ። ኣብዚ ነዊሕ ጉዕዞ ድማ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ብጅግንነት ብምሕላው፣ ሃገር ኣብ ምጥንኻርን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ውግእ ተሞክሮ ኣፈፃፅማ ልኡኽቶ ኣብ ምእካብን ፍሉይ ታሪኹ ፅሒፉ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ፤ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ንምድፋር ንዝፈተኑ ሓይልታት ወሳኒ መከላኸሊ ብምዃን ሃገር ዘፅንዐ ትካል እዩ።
ቀንዲ መለለዪ እዚ ታሪኽ ጀግንነት ጥራሕ ዘይኮነስ ልኡኽቶ ብብቕዓት ናይ ምፍፃም ባህሊ እውን እዩ። ኩነታት ውግእ ብትኽክል ምግምጋም፣ ግቡእ ሓይሊ ኣየር ምጥቃምን ልኡኽቶ ብዝከኣል መጠን ብውሑድ ክሳራ ብዓወት ምዝዛምን መለለዪታት ሓይሊ ኣየር እዮም።
ብትካላዊ ሪፎርም ዝተሰነየ ለውጢ ሓይሊ ኣየር፣ ካብ ምዕባይ ዘበናውነት ኣፅዋር ሓሊፉ ሓይሊ ሰብ፣ ምርምርን ልምዓትን፣ ዓቕሚ ፅገናን ምፍራይን ኣብ ምጥንኻር ዘድሀበ እዩ። ብፍላይ፣ ካብ ወፃኢ ብዝመፅእ ቴክኖሎጂ ጥራሕ ተጠቀምቲ ምዃን ሓሊፍካ፣ ብርእሰ ዓቕሚ ምፍራይን ምፅጋንን ምኽኣል ኣብ ህንፀት ዘበናዊ ሓይሊ ኣየር ወሳኒ ኣንፈት ኮይኑ ኣሎ።
ምፍራይ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ሓደ ካብ መርኣያታት እዚ ለውጢ እዩ። ኣብ 2017 ዓ.ም ዝተመረቐ ኢንዱስትሪ ስካይዊን ኤሮኖቲክስ ንሲቪልን ወታደራዊን ኣገልግሎታት ዝውዕሉ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ንምፍራይ ዝተመስረተ ኮይኑ፤ እዚ ድማ ኣካል እቲ ኣብ ዘፈር ምክልኻል ብቴክኖሎጂ ርእስኻ ንምኽኣል ዝካየድ ፃዕሪ እዩ።
ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌ/ጀ ይልማ መርዳሳ እውን እቲ ትካል ን90 ዓመታት “ሊሎ ሰማይ” ኮይኑ ሉኣላዊነት እናሓለወ ከምዝፀንሐ የዘኻኽሩ።
እቲ ሓይሊ ኣየር ምልክት ብሄራዊ ኩርዓት፣ ምዕባለ ቴክኖሎጂን ፅንዓት ልኡኽቶን ኮይኑ፤ ኣብ ዘፈር ኣየር ዝለዓለ ብቕዓት ንምቕፃል ቆራፅ ምዃኑ እውን ይገልፁ።
ታሪኽ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ትማሊ ዓወታት ውግእ ጥራሕ ዝዝክር ኣይኮነን፤ ካብ ናይ ትማሊ ተሞክሮ ተማሂሩ ንፅባሕ ዝዳሎ ትካል ናይ ምህናፅ ጉዕዞ እውን እዩ።
ብውግእ ዝተፈተነ ጀግንነት፣ ብውሑድ ክሳራ ልኡኽቶ ብዓወት ናይ ምዝዛም ተሞክሮ፣ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐ ዓቕሚን ምሉእ ድልውነትን ተደሚሮም፤ እቲ ሊሎ ሰማይ ናይ ፅባሕ ሰማይ ክቃነ እናዳለዉዎ ይርከቡ።