ቆራፅነት መንግስቲ ንልምዓትን ሰላምን ትግራይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንኽዓስልን ህዝቢ እቲ ክልል ተረባሒ ልምዓት ንኽኸውንን ብቆራፅነት ኣናፀዓረ ምፅንሑ ዝፍለጥ እዩ። ሕዚ እውን ብቖራፅነት ይሰርሕ ምህላዉ ብተግባር ይረአ ኣሎ።
ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ መንግስቲ ከተግብሮም ቃል ዝኣተዎም ግዘ ዘይህቡ ናይ ሓፂርን ነዊሕን እዋን ግቡኣት ብቕልጡፍ ተግባራዊ ገይሩ እዩ።
ንኣብነት ኣብ ሓፂር እዋን ኣገልግሎት ስልኪ፣ መብራህቲ፣ ባንኪን ካልኦት ኣገልግሎታት መንግስቲን ብምፅጋን ንሕቶታት ህዝቢ ምላሽ ሂቡ እዩ። መንገዲታት ክኽፈቱ ብምግባር ህዝቢ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስን ኣድላዪ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢን መድሃኒትን ክኣቱን ገይሩ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ መንበሪ ገዝኦም ንዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስ ፃዕርታት እኳ እንተገበረ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንተመዛበልቲ ከም መሳርሒ ፖለቲካ ንምግባር ክጥቀመሎም ብምፍታኑ እቲ ፃዕሪ ብተደጋጋሚ ከተዓናቕፎ ፀኒሑ።
መንግስቲ ኣብ መዳይ ልምዓት ይኹን ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ክትግበሩ ዝፀንሑ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ትግራይ ንምጅማር ተደጋጋሚ ፃዕሪታት ገይሩ እዩ።
ንኣብነት ብመርሃ ግብሪ መኣዲ ንትውልዲ መንግስቲ ፌደራል፣ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢልየን ብር ወፃኢ ኣብ ልዕሊ 100 ሄክታር መሬት እናተሃነፀ ዝነበረ ሎጅ ገረዓልታ ጎህ ካብቶም ኣብነታት ሓደ እዩ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ድማ ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዝተነበሩሉ ኩሎም ግቡኣት ካብ ዘይምፍፃሙ ብተወሳኺ መንግስቲ ፌደራል ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ዝገበሮ ፃዕሪ ብተደጋጋሚ ከተዓናቕፍ ፀኒሑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት፤ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ልምዓት ኮሪደር ብሰፊሑ እንትትግበር ኣብ ትግራይ ግና ሓንቲ ኪሎ ሜትሮ እውን ልምዓት ኮሪደር ከም ዘይተሰርሐ ገሊፆም።
እቲ ውድብ ንልምዓት ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምስራሕ ንሓገዝ ዝመፅአ እኽሊ ካብ ኣፍ ተመዛበልቲ እናመንጠለን መዓድናት እናዘመተን ድሮናትን ኣፅዋር ኲናትን ብምዕዳግ ኣብ ፀረ ልምዓት ተግባራት ተዋፊሩ ከም ዝፀንሐ ገሊፆም።
ኣብ ቐረባ እዋን መንግስቲ ንህዝቢ ካብ ጭውያን ጭቆናን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ናፃ ካብ ምውፃእ ብተወሳኺ፤ ኣብቲ ክልል ተቛሪፆም ዝነበሩ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ከም ብሓዱሽ ብምጅማር ሓላፍነቱ ተዋፂኡ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ መራሕትኻ ናብ ምምራፅ፣ ናብ ሕርሻ፣ ናብ ልምዓት መዓድንን ኢንዱስትሪን፣ ከምኡ እውን ከተማታት ትግራይ ናብ ልምዓት ኮሪደር ክኣትዋ ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ኣለኒ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣተሓሳሲቦም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ መቐለ ልምዓት ኮሪደር ብቕልጡፍን ብፅሬን ክስራሕ ጥቡቕ ትእዛዝ ዝሃቡ እንትኾኑ፤ እቲ ስራሕ ንምጅማር ምስ ኣካላት ኮርፖሬሽን ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ዘተ ከም ዝተኻየደ ከንቲባ እታ ከተማ ገሊፆም።
መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንኽዓስልን ህዝቢ እቲ ክልል ተረባሒ ልምዓት ንኽኸውንን ኣንፈት ብምቕማጥ ናብ ተግባር ምእታዉ ዘለዎ ቆራፅነት ብተግባር ዘርኢ ስጉምቲ እዩ።