ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ክልል ትግራይ ዘተዓናቕፍ ኣተሓሳስባ ካብ ሱሩ ክመሓው ኣለዎ – ብ/ጀ ገብረእግዚኣብሄር በየነ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ክልል ትግራይ ዘተዓናቕፍ ኣተሓሳስባ ካብ ሱሩ ክመሓው ኣለዎ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ፀጥታን ሰላምን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ።
ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ፀጥታን ሰላምን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ መድረኽ ዘተ ኣካይዶም።
ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ ኣብቲ እዋን ከም ዝገለፁዎ፤ ኣፋላላያት ብሰላማዊ ዘተ ብምፍታሕ ናብ ጎንፂ ዘምርሑ መገዲታት ምዕፃው የድሊ።
ንመናእሰይ ትግራይ ልምዓት እምበር ጎንፂ ኣይነውርሶምን ዝበሉ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር፤ መንእሰይ ትግራይ ሰላም ብምሕላውን ናብ ልምዓት ብምምእታውን ድኽነት ክቃለስ ኣለዎ ኢሎም።
እቲ ህዝባዊ ዘተ መናእሰይ ትግራይ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዘሕለፉዎ ስቓይን ዕንወትን ክግምግሙ ብምግባር ብሓዱሽ መንፈስ ሰላምን ልምዓትን ንምህናፅ ብቆራፅነት ክሰርሑ ከም ዝግባእ ንምሕባር ዝዓለመ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብቲ ክልል ዝለዓሉ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ኣፈላላያትን ሕቶታትን ብህዱእን ስልጡንን ዘተ ንድሌት ህዝቢ ብዘማእኸለ መገዲ ክፍትሑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።
ህዝቢ ትግራይ ካብ ሕዚ ንደሓር ጭቆና ክጣር ዝኽእልማእገር የብሉን፤ ስቓይ ህዝቢ ብምግዳድ ሰላምን ልምዓትን ዝዕንቅፍ ኣተሓሳስባ ካብ ሱሩ ክመሓው ኣለዎ ኢሎም።
ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተቛረፁ ማሕበራውን ቁጠባውን ንጥፈታት ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፣ ህዝቢ ዘብዒ ሰላምን ፀጥታን ክኸውን ፀዊዖም።