ስራሕቲ ኣገልግሎትን ዳግመ ህንፀትን ቀዳምነት ትኹረት ተዋሂብዎም ይካየዱ ኣለዉ – ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ስራሕቲ ኣገልግሎትን ዳግመ ህንፀትን ቀዳምነት ትኹረት ተዋሂብዎም ይካየዱ ኣለዉ ኢሎም ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር)።
ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዑደት ብምግባር ኣብ ዘካየድዎ ምልከታ ዑደት ሰፊሕ ስርቒን ዕንወትን ከምዝተፈፀመ ምዕዛቦም ብምግላፅ ንዝተራእዩ ፀገማት ንምፍታሕ ቅልጡፍ ምላሽ እናተውሃበ ምዃኑ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ብሰንኪ ሕፅረት መዓልታዊ ምግቢ ንዝተጎድኡ ህፃናት፣ ኣዴታትን ኣረጋውያንን ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ምብፃሕ ቀዳማይ ተግባር ተገይሩ ይስርሓሉ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ዝተቛረፀ ከይዲ ትምህርቲ ንምጅማርን ቤት ትምህርታት ብቕልጡፍ ማዕፆኦም ከፊቶም ናብ ስራሕ ንኽምለሱን እናተሰርሐ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ስርሐን ምሉእ ብምሉእ ዘየቋረፃ ትካላት ጥዕና ዓቕመን ተጠናኺሩ ምሉእ ኣገልግሎት ክህባ ንምግባር ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ምስዞም ናይ ምሕዋይ ስራሕቲ ብሓባር፣ እቲ በዓልሓደራ ምምሕዳር ካብቶም ዝተውሃብዎ ህፁፃት ስራሕቲ ብተወሳኺ ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ህዝቢ ትግራይ ብዴሞክራስያዊ መንገዲ ብዝመረፆ ኣካል ክመሓደር ዘኽእል ምቹው ኩነታት ናይ ምፍጣርን ኣሰራርሓ ናይ ምዝርጋሕን ልኡኽቶኡ ከምዘዐውት እቶም ከንቲባ ኣብሪሆም።
እቲ ህዝቢ ካብ ዘይሕጋዊ ምምሕዳር ህወሓት ሓራ ብምውፅኡ ዝረኸቦ ሰላምን ዕረፍትን ኣሕሊፉ ከምዘይህቦ ዝገለፁ እቶም ከንቲባ፣ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ምጥንኻር ፀጥታን ምኽባር ሰላምን ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል፣ እቲ ህዝቢ እውን ንልምዓት ምስቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ጎኒ ንጎኒ ከምዝስለፍ ምርግጋፁ ኣፅንኦት ሂቦም።
ኣብዚ እዋን ከተማ መቐለ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ምሕዋይን ምንቕቓሕን ከምእትርከብ እውን ኣመልኪቶም።
ብእምቤት ሲሳይ