ምልኣተ ጉባኤኡ ቅዱስ ሲኖዶስ ምክያድ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ።
ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣኽስም ወዕጨጌ መንበረ ተክለ ሃይማኖት ኣብቲ ምልኣተ ጉባኤ ብዝሃብዎ መግለፂ፤ ንምቕባል ይኹን ንምሃብ ተኣማንነት መሰረታዊ ነገር ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ዓለም ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት ተኣማንነት ትፅበ እያ ኢሎም።
እቲ ጉባኤ እውን ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ንኽህሉ ብብዝሒ ናይ ምስራሕን ካልኦት ንኽሰርሑ ናይ ምትብባዕን ግቡእን መለኮታዊ ሓላፍነትን ከም ዘለዎ ገሊፆም።
ኣጠቓቕማ ሃፍቲ፣ ኣተሓሕዛ ምእመናንን ሃዋርያዊ ልኡኽቶን ንዘበኑ ዝምጥን ከም ዘይኮነ ብምግላፅ፤ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ጌጋታት እንተሃልዮም ንምእራም ዝተዛበዐ ንምቕናዕን ክሰርሑ ከም ዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።
ኣብቲ ጉባኤ ክፍተታት ኣሰራርሓና ብግቡእ ብምግምጋም ዘላቒ ፍታሕ ብምቕማጥ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ዘለዉ ዕድላት ብዝተወጠነን ብዝተጠናኸረን ኣገባብ ክንጥቀመሎም እንኽእለሉ መገዲ ክንምርምር ኣለና ኢሎም።
ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ እግዚኣብሔር ዝተቐበሎ መንፈሳዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ልኡኽቶ ክፍፅም ዝኽእል ሃገር ሰላም እንትትከውን ምዃኑ ብምሕባር፤ ዝፍጠሩ ፀገማት ንምፍታሕ ካብ ምፅላይ ሓሊፉ ናይ ምርድዳእን ምትዕራቕን ሓላፍነቱ ክፍፅም ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኣብቲ መድረኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ንሰላም ሃገር ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ተራ ዘተ ከም ዝካየድን ሰላም ንኽዓስል ንዝምልከቶም ኣካላት ፃውዒት ሰላም ከም ዘቕርብን ኣመልኪቶም።
ብቅድስት ኣባተ