Fana: At a Speed of Life!

ግድብ መገጭ ንጎንደር ኩለመዳይ ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕ ሒዙ ዝመፅአ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ግድብ መስኖ መገጭ ንከተማ ጎንደርን ኣብ ከባቢኣ ንዝርከባ ከተማታትን ኩለመዳይ ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕ ሒዙ ዝመፅአ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

አእቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ንታሪኻዊት ከተማ ጎንደርን ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢን ዓብዪ ብስራት ዝኾነ ፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ ብዕሊ መሪቖም ንኣገልግሎት ከም ዘብቅዑ ኣፍሊጦም።

እዚ ፕሮጀክት ንነዊሕ ዓመታት ብምድንጓይ ትልሚን ኣተገባብራን ዝተፈተነ እኳ እንተነበረ፤ ብኣምር መደመር ፀገማት ኣፈፃፅማኡ ብምፍታሕ ናብ ዝለዓለ በረከት ክንቅይሮ ክኢልና ኢና ኢሎም።

እቲ ግድብ 185 ሚልየን ሜትር ኩብ ማይ ናይ ምዕቃብ ዓቕሚ ዘለዎን ልዕሊ 17 ሺሕ ሄክታር መሬት ብመስኖ ብምልማዕ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብሩ ኣሸሓት ሓረስቶት ብቐጥታ ተጠቀምቲ ብምግባር ነበርቲ እቲ ከባቢ ሕቶ ልምዓት ብዘላቕነት ንምምላስ ዘኽእል ዓብዪ ፕሮጀክት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ግድብ ንከተማ ጎንደርን ኣብ ከባቢኣ ንዝርከባ ከተማታትን ውሑስን ፅሩይን ማይ መስተ ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ሓፈሻዊ ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ሒዙ ዝመፀ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ዝርከብ ሰብ ሰራሕ ቃላይ ሕርሻ ከተማ፣ ሰፊሕ ምርባሕ ዓሳ፣ ከምኡ እውን ንልምዓት ቱሪዝም ዘገልግሉ መዘናግዒ ሪዞርታትን ሎጃትን ክስፋሕፍሑ ምዃኖም ንመናእሰይ እቲ ከባቢ ሰፊሕ ዕድላት ስራሕ ከም ዝፈጥሩን ምንቅስቓሳት ንግዲ ከም ዘዕብዩን ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ጎንደር ጋና ብዙሕ ስራሕቲ ልምዓት ክስርሐላ ዝግባኣ ከተማ ብምዃና፤ ህዝቢ ኣብ ልምዓት ብንቕሓት ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ዕቤት ኢትዮጵያ ንኹሉ ከባቢታት ዘጠቓልልን ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ ዝሓቁፍን ንኽኸውን፤ ብትግሃት ምስራሕና ክንቕፅል ኢና ክብሉ ኣረጋጊፆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.