Fana: At a Speed of Life!

ውሽጣዊ ዓቕሚ እታ ሃገር ብግቡእ ንምጥቃም መዋቕራዊ ስብራታት ክቃንዑ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ውሽጣዊ ዓቕሚ እታ ሃገር ብግቡእ ንምጥቃም ኣብ ኣተሓሳስባን መዋቕርን ዘለዉ ስብራታት ክቃንዑ ይዝግባእ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ከም ዝገለፁዎ፤ ኢትዮጵያ ብዙሕ ሃፍቲን ውሽጣዊ ዓቕሚን እኳ እንተለዋ ነዚ ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ናይ ምቕያር ተሞክሮኣ ግና ውሱን እዩ።

ዝተወደበ ዓቕሚ ኣብ ዘይተሃነፀሉ ኩነታት ዋላኳ ውሽጣዊ ዓቕሚ እንተሃለወ ህይወት ዜጋታት ምቕያር ኣፀጋሚ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ነዚ ድማ ዓሚቕ ዓቕሚ እቲ ከባቢ እንትኸውን፤ ማይ እናሃለወ ህዝቢ ጎንደር ብፅምኢ ይሳቐ ከም ዝነበረን ሓረስታይ እውን ተጠቃሚ ክኸውን እናተገብኦ እንተይሓረሰ ከም ዝፀንሐን ብምሕባር፤ እቲ ዝተሃነፀ ግድብ ነቲ ውሽጣዊ ዓቕሚ ናብ ተግባራዊ ዓቕሚ ከም ዝቐየሮ ድማ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ስራሕቲ ልምዓት ብዝድለ ደረጃ ከይተካይድ ካብ ዘተዓናቐፉዋ ምኽንያታት ሓደ ሕፅረት ሉኣላዊ ዓቕሚ ምዃኑ ብምሕባር፤ እታ ሃገር ብናይ ባዕላ ሃፍቲ ትካላትን ሰብ ሞያን ስራሕቲ ልምዓት ክትጅምርን ክትዛዝምን ዘኽእላ ዓቕሚ ክትሃንፅ ከም ዘለዋ ኣፅንኦት ሂቦም።

ስራሕቲ ቅድሚ ምጅማሮም ብብርኪ ኣተሓሳስባ ብግቡእ ዘይምድላውን ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ብግቡእ እናተኸታተልካ ናብ ውፅኢት ዘይምብፃሕን ካልእ ስብራት ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ስራሕቲ ካብ ውጥንን ዲዛይንን ጀሚሮም ብብቑዕ ምድላው ክካየዱን ክሳብ መወዳእታ ብቐፃሊ ክምርሑን ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣገንዚቦም።

ስራሕቲ ልምዓት በብውልቂ ምክያድ እኹል ከም ዘይኮነ ብምግላፅ፤ ብሓባር ምውጣንን ተናቢብካ ምስራሕን ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ጎንደር ካብ መንግስቲ ክትሓትት ከም ዘለዋን መንግስቲ እውን ንሕቶ ህዝቢ ምላሽ ከም ዝህብን ተዛሪቦም።

ጉዕዞ ልምዓት ጎንደር ገና ኣብ መጀመርታ ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ ብፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ ዝፍጠር ዕግበት እኹል ከም ዘይኮነን ብዙሕ ስራሕቲ ክስርሑ ከም ዝግባእን ኣመልኪቶም።

ንዘበናት ዝፀንሐ ድኽነትን ፀገማትን ብኣናእሽተይ ዓወታት ጥራሕ ምርዋይ ጉድኣት ከም ዘለዎ ብምግንዛብ ዝያዳ ስራሕ ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣፅንኦት ሂቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብቤተልሄም ግርማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.