Fana: At a Speed of Life!

ታሪኽ ዕጡቕ ሓይሊ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝተመዝገበ እዩ – ጀነራል ዓለምእሸት ደግፌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ታሪኽ ዕጡቕ ሓይሊ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝተመዝገበ እዩ ኢሎም ወታደራዊ ኣማኻሪ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይልታት ጦር ፌዴሪኢን ሓላፊ ኣመራርሓ ተኹሲ ሚኒስቴር ምክልኻልን ጀነራል ዓለምሸት ደግፌ።

መበል 119 ዓመት መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል “ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።

ጀነራል ዓለምሸት ደግፌ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ህዝብና ሓድነቱ ብምሕላውን ካብ ወፃኢ ዝለዓሉ ሓይልታት ብሓባር ብምስዓርን ህልውንኡ ክዕቅብ ክኢሉ እዩ።

መበል 119 ዓመት መዓልቲ ሰራዊት እንትነኽብር፤ መሰረት ህንፀት ዘበናዊ ሰራዊት ዝተነበረሉ ዕለት ንምዝካር እምበር እዚ ቁፅሪ ከም ሃገር ይውክለና እዩ ኢልና ከምዘይኮነ ክግለፅ ኣለዎ ኢሎም።

እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንምዕቃብ ልዑል መስዋእትነት ዝኸፈለ ሓይሊ ምዃኑ ብምሕባር፤ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ወፃኢ፣ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ብውሽጣዊ ፅንፈኛታት ሓይልታት ናይ ምብታን ሓደጋ ከምዘጋጠሞ ገሊፆም።

መንግስቲ ለውጢ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅአሉ እዋን ጀሚሩ ቀዳሞት ወለዶታት ሰራዊትን ናይዚ እዋን ሰራዊትን ንምክልኻል ኢትዮጵያ ዝኸፈሉዎ ዋጋ ብማዕረ ክረአ ከምዘለዎ ከምዝወሰነ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ድማ ንዝሓለፉ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመታት ዘኹርዕ ተጋድሎ እናፈፀመ ዝፀንሐ ወታደር ብቕብብል ዝተረከቦ ልኡኽቶ ስለዝኾነ እታ ዕለት ናይ ሓባር በዓል ኮይና ካብ እዋን ለውጢ ጀሚራ ብተኸታታሊ እናተኸበረት ከምትርከብ ኣመልኪቶም።

ናይዚ ዓመት በዓል ኣብ ግንባርን ደጀንን ንሃገር፣ ህዝብናን መንግስትናን እናኹረዐ ዝርከብ ሰራዊት ኣብ ዘለዎ ቦታ ኮይኑ ከምዘኽብሮ ገሊፆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.