Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 561 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 561 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ኣብዚ ሰሙን ብዝተኻየዱ 7 ዙር በረራታት ዝተመለሱ 929 ደቂ ተባዕትዮ፣ 580 ደቂ ኣንስትዮን 52 ህፃናትን እንትኾኑ፤ ካብቶም ዝተመለሱ ዜጋታት 99 ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰገና ይርከብዎም።

ንዝተመለሱ ዜጋታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን ማእኸላት መዕቖቢን ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ምስ ስድራቤቶም ናይ ምፅምባር ስራሕ ይካየድ ኣሎ።

5 መስከረም 2018 ዝተጀመረ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ክሳብ ሕዚ ካብ 111 ሺሕ ንላዕሊ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝኸኣሉ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.