ተቐማጢ መሕለውታ ሸርፊ ወፃኢና ልዕሊ 20 ሚኢታዊ ዓብዩ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ተቐማጢ መሕለውታ ሸርፊ ወፃኢና ልዕሊ 20 ሚኢታዊ ወሲኹ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዘቕረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።
ሸርፊ ወፃኢ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ ቅድሚ ሪፎርም ኣብ መንጎ ስርዓት ባንኪን ተወሳኺ ዕዳጋን ዝነበረ ፍልልይ ሸርፊ ወፃኢ ኣስታት 110 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ገሊፆም።
እንተኾነ ግን ብምኽንያት እቲ ሪፎርም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ፍልልይ ናብ 13 ሚኢታዊ ከምዝወረደ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣዝዩ ጥዑይ ምልክት ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 33 ቢልየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምእታው ከምዝተኽኣለ ብምዝኽኻር፤ ብምኽንያት እዚ ተቐማጢ መሕለውታ ሸርፊ ወፃኢና ልዕሊ 20 ሚኢታዊ ወሲኹ ኢሎም።
ሰደድ ንግዲ፣ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ሃገርን ሓዋላን ወሲኾም እዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ፅዕንቶ ዕዳ ብምስትኽኻል ናብ ማእኸላይ ደረጃ ከምዝወረደ እውን ገሊፆም።
እዞም ዓወታት እዚኦም ኣብ ሓፂር እዋን ካብቲ ሪፎርም ዘይእመን ዘዕግብ ውፅኢታት ምዃኖም ኣገንዚቦም።
ብቴዎድሮስ ሳህለ