Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ንግዲን ስርዓት ዶብ ተሳጋሪ ክፍሊትን ንምጥንኻር ቆራፅ እያ – ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ስርዓት ክፍሊት ኣህጉራዊ ንግዲ ዶብ ተሳጋሪ ክፍሊትን ንምጥንኻር ቆራፅ እያ ኢሎም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)።

እቲ ባንኪ ምስ ትካል ፓን ኣፍሪካ ስርዓት ክፍሊትን ምንቅስቓስ ገንዘብን ብምትሕብባር ዘዳለዎ 2ይ ጉባኤ ስርዓት ክፍሊት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

“ሉኣላዊ ስርዓት ክፍሊት ኣፍሪካ ምዕባይ፤ ካብ ኣህጉራዊ ምትእስሳር ክሳብ ዓለምለኻዊ ውህደት” ብዝብል ቴማ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ፤ ተወከልቲ ማእኸላዊ ባንክታት፣ ትካላት ፋይናንስን መራሕቲ ኢንዱስትሪን ተሳቲፎም ኣለዉ።

ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ሉኣላውነት ስርዓት ክፍሊት ምርግጋፅ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ጥንክርቲን ንርእሳ ዝኸኣለትን ኮይና ንኽትቀርብ የኽእላ።

ኣብቲ ዓውዲ ዝርከቡ ዓወታት ካብ ምትእስሳር ትካላት ሓሊፎም፣ ብምትእስሳር እተን ትካላት ዝተፈጠሩ ኢኮኖሚያዊ ዕድላት እውን ብምምዛን ክረኣዩ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ስርዓት ክፍሊት ኣህጉራዊ ንግዲን ዶብ ተሳጋሪ ክፍሊትን ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ደጊሞም ኣረጋጊፆም።

እቲ ጉባኤ ተወዳዳሪን ኣሳታፊን ኣህጉራዊ ስርዓት ክፍሊት ንምፍጣርን ሓባራዊ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ናብ ተግባራዊ ውፅኢት ንምቕያር ኣብ ዝከኣለሎም መገድታትን ብምድሃብ ከምዝዝቲ ካብቲ ባንኪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.