ኣብ ወረዳ ኤፍራታ ግድም ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ኤፍራታ ግድም ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ሓሊፉ።
እቲ ሓደጋ ሎሚ ኣብታ ወረዳ ቀበሌ ሆራ ዘጋጠመ ኮይኑ፤ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሰባት ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ተጓዓዝቲ ከቢድን ቀሊልን ኣካላዊ ጉድኣት ኣጋጢሙ።
ካብ ከተማ ደሴ ተበጊሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዓዘት ዝነበረት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ፤ ከባቢ ሰዓት 2 ናይ ንግሆ መንገዳ ስሒታ ናብ ውሽጢ ድልድል ብምእታዋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ሓሊፉ ኣሎ።
በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ሰባት ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ኣጣየ ሓገዝ ሕክምና እናተውሃቦም ከምዝርከብ ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ወረዳ ኣመልኪቱ።