ኣብ ዓመታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ዘድሀበ ኮንፈረንስ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዓመታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ንዕቀባ ሓድግን ሕውየት ቱሪዝምን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኮንፈረንስ የካየድ ኣሎ።
እቲ ኮንፈረንስ ዩኒቨርስቲ ኣክሱምን ቤት ፅሕፈት ቱሪዝም እታ ከተማን ዘዳለውዎ ኮይኑ፤ ኣብ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ተረኺቦም።
ሓላፊ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ሓጎስ ኣብረሃ (ዶ/ር)፤ ህላወ ታቦተ ፅዮን ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣክሱም ብዝምልከት ብዙሓት ፀሓፍቲ ገሊፆም እዮም ድሕሪ ምባል ኢትዮጵያ ሃገርና ድማ ብበዝሒ ኣብያተ ክርስትያናት ካብ ዓለም ቀዳመይቲ እያ ኢሎም።
ኣኽሱም ቅዱስ ያሬድ ንዓለም ዘበርከተት እያ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ናይሎሚ ዓመት በዓል ሕዳር ፅዮን ናይ ሰላምን ሕውየትን ቱሪዝም ክኾን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ብሃይላይ መሓሪ