Fana: At a Speed of Life!

ጉዱኣት ኣካል ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ንጡፋት ተሳተፍቲ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉዱኣት ኣካል ተረባሕቲ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮኑስ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ንጡፋት ተሳተፍቲ እዮም ኢለን ሚኒስትር ዴኤታ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኬሪያ ኢብራሂም።

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባ ምንጭ 25ን 26ን ሕዳር 2019 ዓ.ም ብብርኪ ዓለም ንመበል 35 ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ን34 ዝኽበር መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ብምምልካት መግለፂ ተዋሂቡ።

እተን ሚኒስትር ዴኤታ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ፤ ጉዱኣት ኣካል ኣብ ከይዲ ልምዓት ንጡፍ ተሳትፎ ብምግባር ንህንፀት ሃገር ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ኣከባብራ፣ 20 ዓመት ምዝካር ስምምዕ መሰላት ስንኩላን ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትኹረት ከምዝወሃቦ ብምሕባር፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ምጥንኻርን ዝተረፉ ክፍተታት ምፍታሕን ኣድላዪ ምዃኑ ኣመልኪተን።

ተበፃሕነት ጉዱኣት ኣካል ናብ መድረኽ ምዕዳም ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ስራሕ፣ ፍትሒን ከይዲ ምሃብ ውሳነን ብማዕረ ክሳተፉ ምግባር፣ ሃገራዊ መፍረያይነት ዝግበር ኢንቨስትመንት ምዃኑን ኣብሪሀን።

ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ጉዱኣት ኣካል ከምኡ እውን ልዑል ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ኣብ መሰሎምን ተሳትፎኦምን ፍሉይ ትኹረት ክግበረሎም ከምዘለዎ ኣተሓሳሲበን።

ማዕረ ተሳትፎ ጉዱኣት ኣካል ምርግጋፅ ሓላፍነት መንግስቲ ጥራሕ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ትካላት ፌዴራልን ክልላትን፣ ዘፈር ውልቀ፣ መዳርግቲ ልምዓትን ሕብረተሰብን ብምውህሃድ ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣመልኪተን።

ዋና ዳይሬክተር ፌዴሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ኢትዮጵያ ኣባይነህ ጉጆ ብወገኖም፤ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ን20 ዓመታት ጉዕዞ ስምምዕነት መሰላት ጉዱኣት ኣካል ሕቡራት መንግስታት ንምግምጋም ፍሉይ ዕድል ከምዝፈጥር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.