Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዘላቒ ስራሕቲ ልምዓት ሓድጊ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ክጅመር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዘላቒ ስራሕቲ ልምዓት ሓድጊ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ክጅመሩ እዮም ኢሎም ሓላፊ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓጎስ ኣብርሃ (ዶ/ር)።

ኣብቲ ስራሕ ልምዓት ኣስታት 230 መናእሰይ ከተማ ኣኽሱም ከምዝሳተፉ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፤ እቲ ፕሮጀክት ድሕሪ በዓል ሕዳር ፅዮን ማርያም ከምዝጅመር ኣመልኪቶም።

ኣብ ክልል ትግራይ ሓለዋ ሓድጊን ልምዓት ቱሪዝምን ንምጥንኻር ብትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ሓጎስ ኣብርሃ (ዶ/ር)፤ ብፍላይ ኣብቲ ክልል ዝተረኸበ ሰላም ስዒቡ ብሰንኪ ጎንፂን ካልኦት ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ንጉድኣት ዝተቓልዑ ሓድጊታት ናይ ምሕላውን ናይ ምድሓንን ስራሕቲ ቀዳምነት ከምዝወሃቦም ኣመልኪቶም።

ብዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ከም ሓወልቲ ኣኽሱም ዝበሉ ታሪኻዊ ሓድጊታት ካብ ጉድኣት ንምክልኻልን ንወለዶ ንምስግጋርን ዘኽእሉ ስራሕቲ ምክያድ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.