ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሃገር ናይ ምፅናዕ ልምዲ ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ መረፃ ንምዕንቃፍ ዝፈተኑ ሓይልታት ከይተሰኮነ ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ክብሪ ይግበኦ ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 5ይ ዓመት ዘመን ስራሕ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ንሕቶታት ኣባላት ቤት ምኽሪ ምላሽ መብራህርሂን ይህቡ ኣለዉ።
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ካብቲ መረፃ ክመሃር ዝደሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዓብዩ ትምህርቲ ዝሃበ ከምዝነበረ ኣልዒሎም።
ህዝቢ ኣይትምረፁ፣ ኣይትምዝገቡ፣ ኣይትደግፉ ዝብሉ ምፍርራሓት ከይዓገቶ ወፂኡ ብምሸት እውን መረፅኡ ከም ዝፈፀመ ኣዘኻኺሮም። እቲ መረፃ ድማ ሰፊሕ ተሳትፎ ኢትዮጵያውያን ዝተራእየሉ ከይዲ ከም ዝነበረ ገሊፆም።
እቲ መረፃ ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ትምህርቲ ዝህብ ዓሙቕ ኣተሓሳስባን ፍቕሪ ሰላምን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘርኣየ ኣብ ታሪኽ ዲሞክራሲ ዓብዩ ፍፃመ ኮይኑ ከም ዝተመዝገበ ተዛሪቦም።
ናይ ሎሚ ዓመት መረፃ ካብ ቀደም ዝተፈለየ ብዙሕ ብድሆታት ከም ዝገጠሞ ብምሕባር፤ እቲ ፍጥጫ ኣብ መንጎ ተናሓናሕቲ ውድባት ጥራይ ዘይኮነስ እቲ መረፃ ባዕሉ ዘፀናኸረ ዕላማ ጥቕዓት ኮይኑ ከም ዝነበረ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዘኻኺሮም።
ይኹን እምበር ብምዕዋት ነቲ ብድሆ ብምስጋርን ሃገር ብምፅናዕ ዘለዎም ልምዲ ዝፍለጡ ኢትዮጵያውያን፣ እቲ መረፃ ብምክያድ ፅንፈኝነትን ዘርኣውነትን ኣይንቕበልን ብምባል ብሓደ ድማፂ ኣስሚዖም እዮም ኢሎም።