ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ዩጋንዳ ጄሲካ ኣሉፖ ተዛቲዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ጎድና ጎድኒ 5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ ምስተን ምክትል ፕሬዚዳንት ከም ዝተዛተዩ ገሊፆም፡፡
ዘተና ታሪኻዊ ኻክባትና ናብ ዝለዓለ ክልተኣዊ ምትሕብባርን ሓበራዊ ዞባዊ ዕቤትን ምልዋጥ ኣብ ዝከኣሎም ጉዳያት ዘድሀበ ነይሩ ኢሎም።