ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ሕቡራት ኤሬታት ዓረብ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ሕቡራት ኤሬታት ዓረብ ሼኽ ሻኽቡት ቢን ናህያን ኣል ናህያን ተዛቲዮም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ጎድና ጎድኒ ጉባኤ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ሕቡራት ኤሬታት ዓረብ ሼኽ ሻኽቡት ቢን ናህያን ኣል ናህያን ተዛቲና ኢሎም።

ኣብ ዘተኦም ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጥንኩርን ንዘበናት ዝፀንሐን ርክብ ዳግም ከምዘረጋገፁ ብምሕባር፤ ክልቲአን ሃገራት ተግባራዊ ምትሕብባርን ጭቡጣት ውፅኢታትን ብምምፃእ ምሕዝነተን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም መገዲታት ከምዝተዛተዩ ሓቢሮም።

Comments (0)
Add Comment