ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ተዛቲዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሬሽን ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭን ጉጅለ ልኡኾምን ተዛቲና ኢሎም።
ኣማሲዩ ኣብ ዝነበረና ሓበራዊ ግዘ፤ ኣብ ክልተኣዊ ርክባትን ሓደሽቲ ዕድላት ምትሕብባርን ዝተቓነየ ዘተ ኣካይድና ክብሉ ሓቢሮም።