ብሔራዊ መፅናዕቲ ምልላይ ሃብቲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ.) ኣብ ኩለን ክልላትን ናይ ከተማ ምምሕዳራትን ዝርከቡ ዕቑር ሃብታት ብምልላይ ናብ ረብሓ ንምውዓል ዘኽእል ብሔራዊ መፅናዕቲ ምልላይ ሃብቲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ መፅናዕቲ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልላት፣ ሚኒስትራትን ሓለፍቲ ትካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኢዩ ሎሚ ዕላዊ ኮይኑ።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከም ዝገለፅዎ፥ እቲ መፅናዕቲ ኣብ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ክዋፈሩ ንዝደልዩ ወገናት፣ ኣብ ኣየናይ ዓውዲ ዝያዳ ውፅኢታዊ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ምኽሪ ንምሃብ ይሕግዝ።

እዚ መፅናዕቲ ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ብብርኪ ሃገር ኮነ ክልላት ዘለዉ ሃብታት ብዝበለፀ ብቕዓት ንኽጥቀሙሎም ዘኽእል ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ኢንዱስትሪ ክምስረት ከሎ ኣብ ፍልጠትን ሳይንሳዊ መሰረትን ዝተመስረተ፣ ውፅኢታዊ ዝኾነ መገዲ ክኽተል ከም ዘለዎ ተገሊፁ።

ጨርቃ መርቅን ኣልባሳትን፣ ቆርበትን ፍርያት ቆርበትን፣ ምግብን መስተን፣ ሓፂንን ምህንድስናን፣ ህንፃ (Construction) ከምኡ ድማ ኬሚካል ብፍሉይ ትኹረት ዝስርሓሎም ዘርፍታት ምዃኖም ተጠቒሱ።

ብኤፍሬም ምትኩ

Comments (0)
Add Comment