ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 29፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሪክስ ንኣፍሪካ ስግግር ኢኮኖሚ ሓድሽ ዕድል ሒዙ መፂኡ ኢሎም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ነቢዩ ተድላ፡፡
እቶም ኣምባሳደር ማዕኸን ህንዲ ዲዲ ኢንዲያ መርበብ ዜና ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ ብሪክስ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዕብየት ምስ ዝርከባ ኣባል ሃገራት እቲ ጉጅለ ዘለወን ናይ ንግዲ ርክብ ንምጥንኻር ሓድሽ ዕድል ከም ዝፈጠረ ገሊፆም።
ኣባል ሃገራት ብሪክስ ንኣፍሪካ ዋና ናይ ንግዲ መሻርኽቲ እየን ዝበሉ እቲ ኣምባሳደር፥ በዚ መሰረት ብሪክስ ኣብ ኣፍሪካ ዕብየት ስግግር ኢኮኖሚ ዓብዪ ግደ እናተፃወተ ከም ዝርከብ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ኣብ ዓቕሚ ህንፀት፣ ኣብ ሽግግር ቴክኖሎጂ፣ ሕርሻ፣ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ ማዕድንን ቱሪዝምን ዓውዲታት ንኣፍሪካ ሓደሽቲ ዕድላት ሒዙ መፂኡ ኢሎም።
ኣፍሪካ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ፀጥታ ቤት ምክር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍትሓዊን ትርጉም ዘለዎን ውክልና ክህልዋ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ እተበፅሐ ስምምዕ ኤዙልዊኒ ሓዊሱ ናይ ኣፍሪካ ሓባራዊ ኣቋምን ረብሓን ከም እትድግፍ ኣረጋጊፆም።
እቲ ትካል ጥንታዊ ስልጣነን ብዙሃነት ባህልን ዘለዋ ህንዲ ሓዊሱ ሓያላት ሃገራት ዝሓቖፈ ጉጅለ ምዃኑ ብምጥቃስ፥ እዚ ድማ ኣባል ሃገራት ኣብ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ዓውዲታት ልምዲ ንኽለዋወጣ ዕድል ከም ዝኸፈተ ኣገንዚቦም።
ብሚኪያስ ኣየለ