ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሰራዊት ምክልኻል ዝተገበረሎም ኣቀባብላን ክንክንን ምስ መራሕቲ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዘጋውሑዎ ፕሮፓጋንዳ ኣይራኸብን ኢሎም ንእዚ ሰሜን ምዕራብ ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት።
እቶም ዕጡቓት ንስልጠና ተሃድሶ ብመንግስቲ ናብ ዘተዳለወሎም ቦታ ብሰራዊት ምክልኻል እናተፋነዉ እንከለዉ ከምዝበሉዎ፤ ንሰራዊት ምክልኻል ኢድና ብምሃብና እፎይታ ተሰሚዑና።
ብሰራዊት ምክልኻል ዝተገብረሎም ክንክን ምስቲ መራሕቲ ዘይሕጋዊ ጅለ ህወሓት ዘጋዉሑዎ ፕሮፓጋንዳ ከምዘይሳነ ተዛሪቦም።
ኢዶም ድሕሪ ምሃቦም ብሰራዊት ምክልኻል ዝተገብረሎም ክንክን ካብ ዝተፀበዩዎ ንላዕሊ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብሰራዊት ምክልኻል ንዝተገብረሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም።
ካብ ሰራዊት ምክልኻል ብተወሳኺ ህዝቢ እቲ ከባቢ እውን ብሰላም ኢዶም ብምሃቦምን ንሰላም ዘለዎም ቆራፅነትን ብምንኣድ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኩም ኣቀባብላ ከምዝገበረሎም ገሊፆም።
ንሕና ንመንግስቲ ብሰላም ኢድና ሂብና ኢና ዝበሉ እቶም ዕጡቓት፤ ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝርከቡ ካልኦት ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ኣማራፂ ሰላም ንኽቕበሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሓላፊ መምርሒ ሎጀስቲክስ እዚ ሰሜን ምዕራብ ኮሎኔል ኣባይ ታደሰ ብግደኦም፤ እቶም ዕጡቓት ሽርሒ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብምግንዛብ ኢዶም ንምሃብ ምውሳኖም ንሰላም ዘለዎም ቆራፅነት ከምዘርኢ ኣብሪሆም።
ካልኦት ዕጡቓት እውን ካብ መፃወዲያ ጥፍኣት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብምውፃእ፤ ኣማራፂ ሰላም ክቕበሉ ፃውዒት ከምዘቕረቡ ኦንላይን ሚዲያ ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።