ንተለዋዋጢ ዓለም ኣብ ግምት ዘእተወ ዕዉት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ወገን ጥራሕ ከይተወሰነት፣ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ሓይልታት ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብጥበብን ሚዛን ብምሕላውን እናመርሐት ትርከብ።

ንሓደ ወገን ዘይወገነ ዲፕሎማሲ ሓንቲ ሃገር ኣብ መንጎ ዓበይቲ ሓይልታት ካብ ዝፍጠር ምክፍፋል ጉጅለታትን ወተሃደራዊ ስምምዓትን ርእሳ ብምግላል ናፃ ናይ ወፃኢ ፖሊሲ እትኽተለሉ ስትራቴጂ እዩ።

እዚ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ብፍላይ ከም ኢትዮጵያ ንዝበላ ኣብ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ብዙሓት ረብሓታት ዘለዎ ኮይኑ፤ ሃገራት ኣብ ዓለም ኣቀፍ መድረኽ ናፅነተን እንተይሰኣና ረብሓታተን ንኸኽብራን ምሕዝተን ንኸብዝሓን ዓብዪ ግደ ይፃወት።

መንግስቲ መደመር ነዚ ብምርዳእ ምስ ኩሎም ወገናት ዓለም ንሃገራዊ ረብሓ ክሰርሕ ምኽኣሉ፤ ኢትዮጵያ ማእኸል ዲፕሎማሲን ንኹሎም ወገናት ተፈላጢት መሻርኽቲን ክትከውን ገይሩዋ።

ንኣብነት ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ኣሜሪካ፣ እስራኤልን ኢራንን ንሓደ ወገን ዘይደገፈ ዲፕሎማሲያዊ ስትራቴጂ ዝተኸተለት ኮይና፤ እቲ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ዘለዋ ቅዋም ንኹለን ሃገራት ገሊፃ እያ።

ከም ሓበሬታ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ኢራን መስዑድ ፔዜሽኪያን ዝገበርዎ ዘተ፤ ንተለዋዋጢ ዓለም ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ሓባራዊ ረብሓ ማእኸል ዝገበረን ናይ ዘይምውጋን ዲፕሎማሲ ዝውክልን እዩ።

ኣቐዲሙ እውን ኢትዮጵያ ምስ ልኡኻት እስራኤልን ኣሜሪካን ብዛዕባ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪታት ተመሳሰልቲ ልዝባት ከምዝገበረት ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያ ምስ ምዕራባውያን ይኹን ምስ ምብራቓዊ ዓለም፤ ንኣብነት ምስ ቻይናን ሩስያን፣ ካብ ወገናዊነት ናፃ ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ስትራቴጂ ተኸቲላ እያ። እዚ ድማ ማዕረ ናይ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ልምዓትን ርክባት ንኽትምስርት ዕድል ከፊቱላ።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ካብ ኩሎም ጉጅለታት ሓይሊ ዝመፅእ ፅዕንቶ ክትሰግር ክኢላ፤ ኣብ ዓለም ለኸን ዞባዊን ጎንፂታትን ወጥሪታትን ድማ ውሳነ እትህብ፣ መማእኸሊት እትኸውንን ፅልዋ ዘለዋን ሃገር ንኽትከውን ሓጊዙዋ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment