ኢትዮጵያ ንኬንያ 1 ኪሎ ዋት ሰዓት ኢነርጂ ብ24 ብርን 07 ሳንቲምን ንምቕራብ ተስማዕሚዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ንሓደ ኪሎ ዋት ሰዓት ኢነርጂ ብ24 ብርን 07 ሳንቲምን ንምቕራብ ዘኽእል ሓዱሽ ቀረብ ስምምዕነት ሓይሊ ተፈሪሙ፡፡

እቲ ስምምዕነት ቀረብ ሓይሊ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ጌቱ ገረመው (ኢ/ር)ን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባኒያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኬንያ ጆሴፍ ሲሮር (ዶ/ር) ተፈራሪሞምዎ፡፡

እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ንግዲ ኤሌክትሪክ ንምጥንኻር፣ ኣብ ዶብ ከባቢታት ዘተኣማምን ቀረብ ሓይሊ ንምስፍሕፋሕን ምትእስሳር ኢነርጂ ምብራቕ ኣፍሪካን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ኢዩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ኩባንያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኬንያ ንሓደ ኪሎ ዋት ሰዓት ኢነርጂ 24 ብርን 07 ሳንቲም ከምኡ እውን ንዲማንድ ቻርጅ 1 ሺሕን 19 ብርን 89 ሳንቲምን ክኸፍል ኢዩ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment