ኮንፈረንስ ሪዞርት ንኢትዮጵያ ማእኸል ዓለም ለኸ መድረኻት ንምግባር ዘለና ራእይ ዘጠናኽር እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኮንፈረንስ ሪዞርት ኣርባምንጭ ኢትዮጵያ ማእኸል ዓለም ለኸ መድረኻት ንምግባር ራእይና ዘሐይል እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ መርሃ ግብሪ መኣዲ ንወለዶታት ዝተሃነፀ ኮንፈረንስ ሪዞርት ኣርባምንጭ ሎሚ መሪቆም ስራሕ ኣጀሚሮም።

እዚ ዘበናዊ ሪዞርት ኣብ ቃላይ ዝተሃንፀ ፍሉይ ተንሳፋፊ ሬስቶራንትን ልዕሊ 1300 ሰባት ከአንግድ ዝኽእል ኣዳራሽ ጉባኤን ዘጠቓልል እዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ዝመረቕናዮ ኮንፈረንስ ሪዞርት ኣርባምንጭ መርሃ ግብሪ ‘መኣዲ ንወለዶ’ ካሊእ ዓብዩ ዓወት እዩ ኢሎም።

‎ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ መላእ ህዝቢ ሃገርና፣ ዲያስፖራን ማሕበረሰብ ዓለምን ነዚ ሓዱሽ ዕንቊ ሃገርና ብምሃናፅ ኣብ ጥቕሚ ክውዕልን ብሓባር ኣብ ቱሪዝምን ኮንፈረንስን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ክፈጥር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment