ዘመናት ዝሰገረ ታሪኽ ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ

ኣብ ድርሳናት ታሪኽ ከምዝንገር ዕድሚኡ እናደፈአ እንትኸይድ ነቲ ኣረጊት ክንቲቱ እናነቐለ፣ ፅፍሩ ናብ ከውሒ ብምግጫው ሓድሽ ሓይሊ ከምዝለብስ ዝእመነሉ ገዚፍ ኣሞራ፤ ኢትዮጵያ እውን ነቲ ናይ ውግእን ድኽነትን ያታ ከምኣረጊት ክንቲት ኣራጊፋቶ እያ።

ናይ ትማሊ ተሞክሮ መከራን ውድቀትን ናብ ሓይሊ ቀይራቶ እያ። ነቲ ጥንታዊ መንፈስ ስልጣነ ኣኽሱምን ላሊበላን፣ ከምኡ እውን ነቲ ተምሳሌት ኩርዓት ፀለምቲ ህዝብታት ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ዳግም ብምብራህ ታሪኻዊ ብራኸ ዘርኢ ድሙቕ ጩራ ብርሃን ኣብ ምድራ ፈንፂሑ እዩ።

ንነዊሕ ዘበናት መላእ ዓለም እትዝክረሉ ዝነበረት መነፅር ፅግዕተኛነት ሎሚ ተሰቢሩ እዩ። ሃገርና ካብ ከቢድ ምዕራፍ ፈተና ብዓወት ተሳጊራ፣ ማሕለኻታት ብጥበብ ብምፍታሕ ሓዱሽ ሓይሊ ሰኒቓ ብዓወት ክትጓዓዝ ጀሚራ ኣላ።

ሎሚ ኣእዳው ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ ስራሕ ልምዓት ሃገር ኣብ ፅኑዕ መሰረት ህንፀትን ይርከባ።

እዚ ዘደንቕ ጉዕዞ ብራኸ ብሓሳብ ጥራሕ ዝተሰኣለ ዘይኮነስ፤ ኣብ መሬት ዝተረጋገፀ ናይዚ ዘበን ሓቂ እዩ።

ብሃገራዊ ጎስጓስ «ኢትዮጵያ ተፍሪ» ዓውዲ ኢንዱስትሪን መዓድንን ህያው እንትኸውን፤ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብልምዓት ስርናይ ሓጋይ ድማ ሚዛን ተፈጥሮ ብምሕላው ውሕስና ምግቢ ዜጋታት ብዘየስግእ ኩነታት ብርእሰ ዓቕሚ ካግዲ እናኾነ መፂኡ ኣሎ።

ዓቢዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ምዕባይን ዓይኒ ዝኸፍት ልምዓት ኮሪደር ከተማታትን፤ ካብ ወፃኢ ዝነበረ ፅግዕተኛነት ብምስባር ብዓቕምና ክንቀውም ከምንኽእል ብተግባር ዘረጋገፁ ህያው መርኣያታት እዮም።

ከምኡ እውን ዲሞክራሲያዊ መረፃ መካተቲ ሃገራዊ ዘተ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ብ«ፋይዳ» ዲጂታል መለለዪ መንነት ዝተደገፈ ዘበናዊነት ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ኣፅኒዖምዎ እዮም።

እታ ካብ ዓለም ለኸ መድረኽ ተነፂላ ዝነበረት ሃገር ሎሚ ብዝያዳ ዝደልደለ ዓቕሚ ዲፕሎማሲ ማእኸል ምትእስሳር ቀርኒ ኣፍሪካ ኮይና ኣላ።

ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ብድሆ ጎቦ ብምህንዳስ ከም ኣሞራ ሓዱሽ ህይወት ትለብስ ኣላ፤ ናይ ኢትዮጵያ ዘመናት ዝሰገረ ጉዕዞ ታሪኽ ብራኸ ድማ ንዝቕፅሉ ዓመታት እውን ከም ኮኾብ ወጋሕታ ደሚቑ ክበርህ እዩ።

ብቴዎድሮስ ኮሬ

Comments (0)
Add Comment