ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፈላማይ ጉባኤ ተሳተፍቲ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት የካይዱ ኣለው፡፡
ፅዕንቶ ፈጠርቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ፕሮጀክትታት ልምዓት ዑደት ይገብሩ ኣለው።
ትኽክለኛ ምስሊ ኣፍሪካ ንዓለም ንምፍላጥን ዲጂታል ያታታት ብዋንነት ንምምራሕ ዝዓለመ ፈላማይ ጉባኤ ተሳተፍቲ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዑደት ይገብሩ ከምዘለው ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ፡፡