‎ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂያ ሜሎኒ ናይ እንዃዕ ደስ በለክን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂያ ሜሎኒ ናይ እንዃዕ ደስ በለክን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፣ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ጆርጂያ ሜሎኒ ንዘመዝገቦ ታሪኻዊ ዓወት ብስም መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ናይ እንዃዕ ደስ በለክን መልእኽቲ የመሓላልፍ ኢሎም።

ኣብ ታሪኽ ዘበናዊት ሪፐብሊክ ጣሊያን ተወዳዳሪ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ክመፅእ ዝኸኣሉ ጠንካራን ራእይ ዘለዎን መራሒት ምዃነንም እውን ገሊፆም።

ዘይናወፅ ቆራፅነትን ጥንካረን እተን መራሒት፣ ብብርኪ ዓለም ብዙሓት ንኽተባብዕ ዝገብር ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጣሊያንን ዘሎ ብዙሕ መዳያዊን ሓያልን ሽርክነት ዝያዳ ንኽጠናኸር እውን እጃሙ ከም ዘበርክት ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ኢትዮጵያ ኣብ ሓባራዊ ምክብባር ዝተመስረተ ሓባራዊ ቆራፅነት ክልቲአን ሃገራት ከም እተኽብር ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment