Fana: At a Speed of Life!

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ማ.ኣ

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ማ.ኣ ነበር ፋናን ዋልታን ብውህደት ዘጣየሽዎ ጠንካራ ትካል ኢዩ። ብዝሰርሖም ዜናታትን ፕሮግራማትን ሰብ ተኮርን ፅዕንቶ ፈጣሪን ሚዲያ እንትኸውን፥ ብመሰረት እዚ ብዙሓት ኣድመፅቲ፣ ተመልከትትቲን ሰዓብቲን ምፍራይ ክኢሉ ኢዩ።
ብኣማራፅታት ዲጂታል ሚዲያ፣ ቻናላት ቴሌቪዥን ፋናን ፋና ፕላስን፣ ብሄራዊ ሬዲዮ፣ ብኣዲስ ኣበባ 98.1ን ብዝሃ ልሳን 105.3ን፣ ኤፍ.ኤማት ጅማ 98.1፣ ጎንደር 98.1፣ ደሴ 96.0፣ ሃሮማያ 94.8፣ ሻሸመኔ 103.4፣ ወላይታ ሶዶ 99.9፣ ነቀምቴ 96.1፣ ደብረብርሃን 94.0፣ ኣሰላ 90.0ን ሚዛን ኣማን 92.5  ዝውዝዖም ትሕዝቶታት ተበፃሕነትን ተኣማንነትን ንክረክብ ኣኽኢሉ ኢዩ።
ትካልና ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞ፣ ዓፋርኛ፣ ሶማሊኛ፣ ወላይትኛ፣ ሲዳምኛ፣ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ኣቢሉ ብዝውዝዖም ትሕዝቶታት ንኢትዮጵያውያን ኢኮኖሚያዊ፣ ማህበራዊን ፖለቲካዊን ምዕባለ ዝሰርሕ ኢትዮጵያዊ ሚዲያ ኢዩ።
ብትሕዝቶ ካብ ዘለዎ ተፈታውነት ብተወሳኺ ብህንፀትን ምጥያሽን ሚዲያ ከምኡውን ብስልጠናን ምምኻርን እውን ስሙይ ትካል ሚዲያ ኢዩ።