ሃዋሳ ከተማ ንወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርስቲ ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 34 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ከተማ ሃዋሳ ንወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ 1 ብ 0 ስዒራ።
ኣብ ስታድዩም ዩኒቨርሲቲ ኣዳማ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣብ ዝተኻየደ ፀዋታ ቢንያም በላይ ንሃዋሳ ከተማ ናይ ዓወት ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ሎሚ ንግሆ ብዝተካየደ ፀዋታ መቐለ 70 እንደርታን ኢትዮጵያ ቡናን 1 ብ 1 ብዝኾ ውፅኢት ተፈላልየን።
መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 12 ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ ሃድያ ሆሳእና ክትገጥም እያ።
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana