Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ልዑል ዓቕሚ ብምውዳድ ዝምራሕ ብቁዕ ኣመራርሓ ምፍራይ ጉዳይ ህልውና እቲ ትካል ኢዩ – ሌ/ጄኔራል ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሓይሊ ኣየር እናተፈጠረ ዝርከብ ላዑል ዓቕሚ ብምውዳድ ዝምራሕ ብቁዕ ኣመራርሓ ምፍራይ ጉዳይ ህልውና እቲ ትካል ኢዩ ኢሎም ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ፡፡

እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብ ኮሌጅ ኣካዳሚ ኣመራርሓ ሓይሊ ኣየር ንሓሙሽተ ሰሙን ስልጠና ወታደራዊ ኣመራርሓ እናወሰዱ ንዝፀንሑ ላዕለዎት መኮንናት መምርሒ ስራሕ ሂቦም፡፡

ኣብቲ እዋን ድማ ወታደራዊ መራሒ ብህርኩትነት ስራሕ ኣብነት ምዃን፣ ጥንካረ ኣእምሮን ስነ ልቦናን ምልባስ ከምኡ እውን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣፀጋሚ ኩነታት ኮይኑ ፀገም ፈታሒን ተኣማኒን ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡

ወታደራዊ መራሒ ኣብ ዘይተገመቱ ኩነታታት ትኽክለኛ ውሳነ ክህብ ዝኽእል ኢዩ ብምባል÷ መራሕቲ ሰራዊት ንውግእ ክሳናዳእ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፈ ስነ ልቦናዊን ቴክኒካዊን ኩነታት ብምጥንኻር እቲ ሰራዊት ንልኡኽቶ ዝሰናድኡ ከምዝኾኑ ምግባር ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ብምዃኑ ድማ እቶም ላዕለዎት መኮንናት ብዲሲፕሊንን ብኩሉ መዳይን ኣብነት ብምዃን እቲ ሰራዊት ምስጣንን ከብቅዑ ከምዝግባእ ኣንፈት ምሃቦም ኦንላይን ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.