ሃይማኖታዊ ትካላት ንዝኾነ ፖለቲካ ኣጀንዳ መፈፀሚ ክኾኑ ኣይግባእን – ሚኒስቴር ሰላም
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ትካላት ሃይማኖት ንዝኾነ ይኹን ፖለቲካ ኣጀንዳ መፈፀሚ ክውዕላ የብለንን ኢሉ ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ።
እቲ ሚኒስትር እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዞባ አርሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብግብረ ሽበራዊ ሸኔ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።
ኣብቲ ዞባ ኣሰኮ ወረዳ ደልታ ጨፈ ቀበሌ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ንፁሃት ዜጋታት ዝተቐተሉ እንትኾን፤ ሓንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያን 65 ኣባይትን ተቃፂሎም ኢሎም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳታት ሸርካን እንቆሌ ዋቤን ብጉጅለ ግብረሽበራዊ ተታሒዞም ዝነበሩ ዝነበሩ ኣርባዕተ ንፁሃት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ሸሞንተ ኣባላት ፀጥታ ከምዝተሰውኡ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዞባ ንዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ንምጥምዛዝን ዝተፈለየ መልክዕ ንምሃብን ዝግበር ፈተነታት ዝኹንን ምዃኑ ገሊፆም።
ከምዚ ዓይነት ፍፃመ እትፍጠር ሕብረተሰብ ናብ ጎንፂ ንምልዕዓል ዝግበር ፈተነታት ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ሃይማኖታዊ ትካላት ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ክጥቀሙ ከምዘይብሎም ኣተሓሳሲቦም።