ሃገራዊ ምርድዳእ ዘይምህላው ንዕንወትን ንሽርሒ ናይ ወፃኢ ፀላእቲን ተቓላዕቲ ይገብር – ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ምርድዳእ ዘይምህላው ንዕንወትን ንሽርሒ ናይ ወፃኢ ፀላእቲን ተቓላዕቲ ይገብር ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም፡፡
“ተሳትፎ ዜጋታ ንዕዉት መካተቲ ሃገራዊ ምኽክርን ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ካልኣ ፎሮም ዜጋታት ፓርላማ ተኻይዱ።
ኣብቲ ፎረመረ ገለፃ ዝገበሩ ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፤ሃገራዊ ሓድነትን ኣብ ኣብ ምህናፅ ብዙሓት ውፃእ ውረድ ዘለዉዎ፤ ግዘ ዝወስድን ቆራፅነት ዝሓትትን ኢዩ ኢሎም።
ሃገራዊ ምርድዳእ ዘይምህላው ሕድሕዳዊ ጎንፂታት ብምፍጣር ንዕንወት ሃፍቲ፣ ኢኮኖሚያዊ ውድቀትን ንሽርሒ ናይ ወፃኢ ፀላእቲን ተቓላዕ ከምዝገብር ኣመልኪቶም።
“ካብ ታሪኽ ስሕተትን ጥፍኣትን ንምምሃር ድሉው ምዃን፣ ንትውልዲ ዝሳገሩ ጉዳያት ካልኦት ፀገማት እንተይወለዱ መፍትሒ ምሃብን ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ምርግጋፅን ካብ ሃልኦት ሃገራት ተሞክሮ እንመሃሮ ኢዩ” ኢሎም።
ሃገራዊ ሓድነት ምህናፅ ዝተረጋገአ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምህናፅን ጥንኩር ኢኮኖሚያዊ ዓቐሚ ንምህናፅን ከምዘኽእል እውን ኣብሆም።
ኢትዮጵያ ዝረኸበቶ ሃገራዊ ምኽክር ናይ ምግባር ዕድል ኩሎም ኣካላት ብግቡእ ክጥቀሙሉን ብቖራፅነት ክሕልዉን ከምዝግበኦም ምትሕስሳቦም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።