Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ዘተ፥ መሰረት ምድማፅ፣ ምትሕብባርን ህንፀት ፅኑዕ ሃገረ መንግስቲን እዩ– ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 ዓ.ም. (ኤፍ.ኤም.ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ሓድሽ፣ ሓቛፊን ስርዓታዊን ምዕራፍ ሃገራዊ ዘተ ትርከብ።

እዚ ምዕራፍ ንዘመናት ዝቐፀሉ መዋቕራዊን ፖለቲካዊን ፍልልያት ብምሉእ ተሳትፎ ህዝብታት ንምፍታሕ፣ ኣብ ዝሰልጠነ መድረኽ ዘተ ሓባራዊ ሃገራዊ ምትሕብባር ንምህናፅ ዘኽእል ታሪኻዊ ዕድል እዩ።

ነቲ ንነዊሕ እዋን ብውሽጣዊ ግጭታትን ቅሬታታትን ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ባህሊ ብምቕያር፣ ሓቛፊን ሃገራዊ ምትሕብባርን መሰረት ሉዓላውነትን ምዕባለን ክኸውን ዝዓለመ ራእይ ሎሚ ብግብሪ ይትግበር ኣሎ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገራዊ ዘተ ንኢትዮጵያ ኣማራፂ ዘይኮነስ፥ ፅኑዕ፣ ሉዓላዊትን ርግእቲን ሃገር ንምህናፅ ዘድሊ ታሪኻዊ ግዴታ እዩ። ከም ኢትዮጵያ ዝበለ ብዙሕነት፣ ብዙሓት ባህልታትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትን ዘለወን ሃገራት ናይ ሓደ ወገን ሓሳብ ጥራይ ብምግዳድ ምጉዓዝ ዘላቒ ፍታሕ ከምፅእ ኣይኽእልን።

ስለዚ ኣድላይነት ሃገራዊ ዘተ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናጎልሀ ይርአ ኣሎ።

እቶም ብኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዝተገልፁ ሸሞንተ ቀንዲ ኣጀንዳታት፥ ካብ ኩሉ ክፋላት ሃገርን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተኣከቡ ድምፅታት፣ ተስፋታትን ራእይ መፃኢን ኢትዮጵያውያን ዘንፀባርቑ እዮም።

ዕውትነት እዞም ኣጀንዳታት ናብ ተግባር ናይ ምቕያር ሓላፍነት ናይ ሓደ ወገን ጥራይ ዘይኮነስ፤ እወንታዊን ንቑሕን ተሳትፎ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝሓትት እዩ።

ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ትካላት ሃይማኖት፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስቲዮ፣ ምሁራንን ካልኦት ትካላትን ንዕዉትነት እዚ ታሪኻዊ ከይዲ ዘይትካእ ግደ ኣለዎም።

እዚ ከይዲ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ብምጥንኻር ንዝመፅእ ወለዶ ብሰላም፣ ብምትእምማንን ብምትሕብባርን ዝነብረላ ሃገር ንምርካብ ዓቢ ታሪኻዊ ዕድል እዩ።

ነዚ ዕድል ብጥበብ ብምጥቃም፣ መፃኢ ዕጫ ሃገርና ብሓባር ክንውስን ይግባእ።

ስለዚ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ንምዕንቃፍ ካብ ዝተቐመጡ ኣጀንዳታት ወፃኢ ብዝንቀሳቐሱ ኣፍራሲ ሓሳባት ፊት ብፅንዓት ደው ክንብል፣ ንምድማፅን ንምትሕብባርን ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ እወንታዊ ኣሰርና ከነንብር ይግባእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.