Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ዘተ ዝተቋፀረ እንፈትሓሉ ጥበብ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገር ብቐሊሉ ኣይትህነፅን፤ ብምዝታይ፣ ብሓላፍነት ምዝርራብን ብትዕግስቲ ምድምማፅን ይሓትት።

ነቲ ብዝምጥን መልክዕ ካብቲ ዘለናዮ ኣንፈት ወፂእና ነገራት ብሓድሽ ዓይኒ ንምርኣይ ካልኦት ብኸመይ ከም ዝሓስቡ ምርዳእ፣ዘይምርድዳእና ንምፍታሕን ታሪኻዊ ስብራትና ንምፅጋንን ብምዝታይናን ብዙሕ ንርባሕ።

እዚ ዘተ ሃገርና ከይትረጋጋዕ ዜጋታታ ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓደ ኮይኖም ደው ምባል ክኣብዮም፣ ንሓድሕዶም ከም ስግኣት ክረኣዩ ዝገበሩ፣ ዝግባእ ሓድነትን ዕቤትን ከይስጉሙ ዝዓገቱ ሕልክልኽ ቑፃሮታት ዝፍትሑሉ ታሪኻዊ ዕድል እዩ።

“ሃገርና ኣይነዋርዳን” ዝበሉ ኣቦታትና ምስ ፀላኢ ተዋጊኦም ኣብ ዱርን ኣብ ጎቦታትን ተቓሊሶምን መስዋእቲ ከፊሎምን ሉኣላዊት ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ኣፅኒሖምልና እዮም።

ኣብ ሃገርና ዝርአ ዘሎ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ፀገማት ቀንዲ ምኽንያቱ ዘይምርድዳእና እዩ። እዚ ዘይምርድዳእ ድማ ንኢትዮጵያ ክጎድኡ ንዝደልዩ ሓይልታት መኽፈቲ ኣፍደገ ኮይኑ እዩ።

ውሽጣዊ ምፍልላይናን ብሓባር ክንቆም ዘይምኽኣልናን ሃብትና ክንስእንን ፤ ሃብቲ ብኣግባቡ ክንጥቀም ከይንኽእልን ዕንቅፋት ኮይኑ፣ ብሓባር ሃገራዊ ረብሓና ክንከላኸል ከም ዘይንኽእል ኣግዲዱና ፀኒሑ እዩ።

ነዚ ወሳኒ ፍታሕ ክህብ ዝኽእል ሓሳብ ብዘተ ምግላፅን ብሓባር ፍታሕ ምድላይን ዝመርፅ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ትማሊ ብዓቢ ተስፋ ተጀሚሩ እዩ።

ፀገማት እናወሰኹ ተሸኪምካ ካብ ምንባር ዝሓሸ ዘላቒ ፍታሕ ምድላይ፤ ስለዚ ሃገሮም ዝፈትዉ ኢትዮጵያውያን ተኣኪቦም እዮም።

እቲ ዘተ ንኩሉ ዝሓቁፍ እዩ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ፆታ ወይ ደረጃ ሓላፍነት ከይፈለየ፣ ኩሎም ክፍልታት ሕብረተሰብ ሓሳቦም ብናፅነት ከቕርቡ ብዘይሻራዊነት ዕድል ከፊቱ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ስነ-ስርዓት ምጅማር ሃገራዊ ዘተ ከም ዝበልዎ፣ እቲ ዘተ ውፅኢታዊ ክኸውን እንተደሊና ካብ ፀቢብ ኣተሓሳስባ ወፂእና፣ ንኢትዮጵያ ዝጠቅም ልዑል ሓሳብ ኣብ ልዕሊኡ ክንዛተን ክንሰማማዕን ይግባእ።

ሃገርና ንወለዶና ዝሃበቶ ዓብዩ ሓደራ ብምርዳእ ካብ ናይ ትማሊ ጌጋና ተማሂርና፣ ታሪኻዊ ስብራትና ፀጊንና ነታ ንደቅና እነውርሳ ኢትዮጵያ እናሓሰብና ብዘተን ብምፍታሕ ፀገማትና ኣብ ዙርያ ጠረጴዛን፣ ኢትዮጵያዊ ምትእስሳርን ክብርትዕን ከይበታተንን ይገብሮ።

ብቤተልሔም ግርማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.