Fana: At a Speed of Life!

ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ምሽ ኣጀንዳታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዝተጠዓዓሙ ኢዮም – ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብርእሰ ዓቕሚን ቴክኒካል ሓገዝን ዝተገበሩ መመሓየሺታት ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ምስ ኣጀንዳታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዝተጠዓዓሙ ኢዮም ኢሎም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፡፡

ኢዮብ (ዶ/ር) ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓመታዊ 2026 ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ)ን ጎድና ጎድኒ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ህንፀት ዓቕሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ፋይናንስ ዝተገበሩ መመሓየሺታት ብዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡

ኣብቲ እዋን መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብመሰረት ሓዱሽ ኣዋጅ ብሄራዊ ባንኪ ተግባራዊ ዝተገበረ ናይ ወለድ ተመን፣ ማዕቐፍ ፖሊሲ ገንዘብ፣ ዕዳጋ ዝመርሖ ተመን ሸርፊ ወፃኢን ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓፈሻዊ ስርዓት ቁፅፅር ፋይናንስ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡

መመሓየሺታት ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ብርእሰ ዓቕሚን ቴክኒካል ሓገዝን ዝተሓንፀፁ ከምዝኾኑ ብምግላፅ÷ መመሓየሺታት ኢትዮጵያ ቅድሚት ምስ ትህቦም ኣጀንዳታት ልምዓት ዝጠዓዓሙ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም፡፡

ዐዳጋ ፋይናንስ ውሽጢ ሃገር ምጥንኻርን ዓውዲ ፋይናንስ ንወፃኢ ኢንቨስትመንት ክፍቲ ምግባር ኣብ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ዝተገበሩ ጉዳያት ከምዝኾኑ እውን ኣልዒሎም፡፡

ከይዲ ዘሎ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ምጥንኻር ዘተኣማምን ትካላዊ ዓቕሚ፣ ቀፃሊ ዝኾነ ፖሊሲ ኢኮኖሚን ዘፈር ውልቀ ዝመርሖ ኢኮኖሚ ከጠናኽር ዝኽእል ስርዓት ፋይናንስ ምህናፅ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ምሃቦም እቲ ባንኪ ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.