Fana: At a Speed of Life!

ህብር፡ ፅባቐን መሰረት ፅንዓትን ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ማዕበል ታሪኽ ውሽጢ ፀኒዓ ክሳብ ሎሚ ዘፅንሐቶ ፅባቐ መንነታን ምስጢር ፅንዓታን ኣብ ብዙሕነታ ዘሎ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት እዩ።

ገፃት ታሪኽ ኢትዮጵያ ንድሕሪት ተመሊስና ክንርእዮም ከለና፣ ኢትዮጵያውያን ሉኣላውነቶምን ናፅነቶምን ንምኽባር ኣብ ወሳኒ እዋናት ብሓድነት ደው ብምባል ቆራፅነት፣ ኣብ ብዙሓነቶም ዝተሃንፀ ሓይሊ ህብር ዘርኢ እዩ።

ኣብ ኣኽራን ዓድዋ ዝተወለዐ ዓብዩ ዓወት እውን ውፅኢት ናይዚ ሓድነት እዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ሃገር ዝመፁ ኣቦታትና፣ ብሓደ ፍቕሪ ሃገር ተሰሊፎም ታሪኽ ዓወት ፅሒፎም።

እዚ ድማ ፍልልይ ንሓድነት ዕንቅፋት ከይኮነ ብሓባራዊ ዕላማ እንተተመሪሑ ፍልፍል ሓይሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝምህር ታሪኻዊ ምስክር እዩ።

እዞም ፍልልያት ብሓደ ሃገራዊ ራእይ ክራኸቡ ከለዉ ንሓባራዊ ሸቶን ዕላማን ልምዓት ዘድሊ ሓባራዊ ሓይሊ ፈጢሮም።

ህብር ብተፈላለዩ ቋንቋታት፣ እምነታትን ባህልታትን ዝተኣከበት ኢትዮጵያ ዘምዕርግዋ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓ ቀዳምነት ብምሃብ፣ ዕላማታት ልምዓት ንምዕዋት ዘኽእል ቀንዲ መሰረት እዩ።

ተመራማሪ ጉዳያት ታሪኽን ፖለቲካን ኢብራሂም ሙሉሸዋ ከም ዝገለፅዎ፣ ሓድነት ማለት ፍልልይ ምኽሓድ ዘይኮነ፣ ፍልልያት ብምቕባል ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ደው ምባል ከምዝኾነን ጥንካረ ሃገር ዝገልፆ ከም ሃገር ሓደ ኮይኖም ደው ብምባል ምዃኑ የረድኡ።

ብናይ ባዕሎም ኣረኣእያኦም ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ወለዶ ንሃገራዊ ረብሓኡን ንኢኮኖሚ ዕብየቱን ዝግበኦ መስዋእቲ ብምኽፋል ናብ ሓድነትን ምክብባርን እንተመፅእ ተኣምራዊ ለውጢ ምምዝጋብ ይከኣል።

ተመራማሪ ጉዳያት ፖለቲካ ጌትዬ ትርፌ (ዶ/ር) ከምዝብልዎ፣ ብዙሓነትን ታሪኽን ንሓድነት ሃገርን ንህንፀት ወለዶን ምውዓል ካብዚ ወለዶ ዝድለ ናይ መረፃ ጉዳይ ዘይኮነስ ጉዳይ ህልውና እዩ።

ህብር ዝጠናኸር ብምክብባር፣ ብምክእኣል፣ ብምርድዳእን ንሓባራዊ ረብሓ ደው ብምባል እዩ። ካብ ዝኾነ ፍልልይ ንላዕሊ ዘራኽቡና ሓባራዊ ክብርታት ከነጠናኽር እንተኺኢልና፣ ብዙሕነት ምኽንያት ምፍልላይ ዘይኮነ፣ ፍልፍል ሓባራዊ ሓይሊ ይኸውን።

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.