Fana: At a Speed of Life!

ህዳሰ ኢንዱስትሪ፡ ካብ ታሪኽ ስልጣነ ናብ ጉዕዞ ስልጣነ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኹ ሪኡዎ ዘይፈልጥ ለውጢ መዋቕርን ዓቕሚ ምፍራይን እናካየደ ይርከብ።

ብፍልስፍና ኢኮኖሚ መደመር ብዝተመርሑን ብዝተተግበሩን ሓፈሻዊ ሃገራዊ ማክሮ ኢኮኖሚ መመሓየሺታት፣ መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሚን ምህዞን ብምምርኳስ፣ ኣብ ጉዕዞ ዕቤትን ምዕባለን ብልዑል ቅልጣፈ እናተጓዓዘ ይርከብ።

እዚ ዕጫ ዝቕይር ጉዕዞ ዓወትን ኣብ ዓውዲ መፍረዪ ኢንዱስትሪ ዝካየድ ዘሎ ኣብዮትን ንሓፈሻዊ መልክዕ እታ ሃገር እናቐየረ ይርከብ።

ንብዙሓት ዓመታት ዓቕሚ ምፍራይ ሃገርና ዝተዳኸመን ዕዳጋና ኣብ ወፃኢ ዝፈሪ ፍርያት ጥራሕ ዝተመርኮሰን ኮይኑ ዝፀንሐ እንትኸውን፤ ብምኽንያት ሃገራዊ ጎስጓስ “ኢትዮጵያ ተፍሪ”ን ብኣምር መደመርን ዝተሓንፀፁ ፖሊሲታት፣ ኣብ ዘፈር ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ልዑል ዝላ ቀስቂሱ ኣሎ።

ቅድም ክብል ብሰንኪ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ጥረ ኣቕሑን ስረሐን ኣቋሪፀን ዝነበራ ብዙሓት ዓበይቲን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ተመሊሰን ኣለዋ።

ቅድሚ ሕዚ ቢልየን ዶላራት ወፃኢ ዝሓትቱ ዝነበሩ ፍርያታት ጨርቀመርቂ፣ ቆርበት፣ ምግቢን መስተን፣ ህንፀት ንዋትን መድሃኒታትን፣ ሕዚ ብፅሬት ኣብ ውሽጢ ሃገር ክፈርዩ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ መዳይ ስግግር ቴክኖሎጂን ክእለትን እውን፤ ዘበናዊ ማሽነሪታት ብምጥቃምን ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ውሽጢ ሃገር ብምህናፅን ፅሬትን ብዝሒን ፍርያት ብልዑል ደረጃ ወሲኹ እዩ።

ብኣምር መደመር ዝተሓንፀፀ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ቀንዲ ትኹረቱ “ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጣዊ ሃገር” (GDP) ምዕባይን ዓቕሚ ምፍራይ ምድንፋዕን እዩ ነይሩ።

እዚ ኣምር ንኣፍረይቲ ሕብረተሰብ፣ ንሰብ ሃፍቲን ንመንግስቲን ብምትእስሳር ዘደንቕ ውፅኢት ኣመዝጊቡ እዩ፤ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ድማ ዓቕሚ ምፍራየን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣሰጋጊረን እየን።

ኣብ ምትእስሳር ሕርሻን ኢንዱስትሪን፣ ፍርያት ሕርሻ ከም ጥረ ኣቕሑ ኢንዱስትሪ ብሰፊሑ ክቐርብ ምኽኣሉ፣ መጠን ምፍራይ ኢንዱስትሪ ሕርሻ ኣግሮ-ፕሮሰሲንግ ብዕፅፊ ክዓቢ ገይሩዎ እዩ።

ኣበርክቶ ዘፈር ኢንዱስትሪ ኣብ ሃገራዊ ፍርያት ብልዑል ደረጃ ዝወሰኸ ኮይኑ፤ እታ ሃገር ኣብ ኣፍሪካ ቅልጡፍን ዘላቒን ዕቤት ዘመዝግብ ኢኮኖሚ ክትውንን ኣኽኢልዋ እዩ።

ዕቤት ዘፈር ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ኣብ ብቐጥታ ኣብታ ሃገር ንግዲ ወፃኢ (ኤክስፖርት)ን ኣብ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢ ልዑል ውፅኢት ኣምፂኡ እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ካብ ውሱናት ዘይተቐነባበሩ ፍርያታት ሕርሻ ጥራሕ ይርከብ ዝነበረ እቶት ሸርፊ ወፃኢ፣ ሕዚ ድሉዋት ፍርያት ኢንዱስትሪ፣ ማዕድንን ቴክኖሎጂን ብምውሳኹ ብዝለዓለ ኩነታት ወሲኹ ኣሎ።

ብምህዞን ፅሬትን ዝተደገፉ ፍርያት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ናብ ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካ፣ እስያን ናብ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪቃን ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ብሰፊሑ ምልኣኾም እታ ሃገር እትረኽቦ እቶት ሃርድ ከረንሲ ብልዑል መጠን አዕብዩዎ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.