Fana: At a Speed of Life!

ህፃናትን ንመናእሰይ ካብ ጎዳኢ ፅዕንቶ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፃት ንምድሓን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ህፃናትን መናእሰይን ብገፃወት ማሕበራዊ ካብ ዝበፅሖም ጉድኣት ንምድሓን ዘኽእል ጥቡቕ ሕጊ ተግባራዊ ክገብር ኢዩ፡፡

ፕሬዚዳንት ኮሚሽን እቲ ሕብረት ኡርሱላ ቮን ደር ሌየን ከምዝገለፀኦ፥ እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ቲክቶክ፣ ፌስቡክ፣ ኢንስታግራም ከምኡ እውን ኤክስ (ትዊተር) ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ከይዲ ይርከብ፡፡

ብዙሓት መገዲታት ማሕበራዊ ሚዲያ መናእሰይ ብዙሕ ግዚኦም እቶም መተግበሪታት ኣብ ምጥቃም ንኸሕልፉ ፅዕንቶ ዝገብሩ ሜላታት ከምዝጥቀሙ ኮኒነን፡፡

ብፍላይ ቲክቶክ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት ብዘይገደብ ክፍቲ ምግባሩ መናእሰይ ንወልፊ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘቃልዕ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ መተግበሪታት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ትሕቲ 13 ዓመት ዝርከቡ ሰገናት ማሕበራዊ ሚዲያ ንኽጥቀሙ ዝኽልክል ህጊ ተግባራዊ ከምዘይተገበረ ኣልዒለን፡፡

ማሕበራዊ ሚዲያ ገፃት ኣብ ልዕሊ ሰገናትን መናእሰይን እናስዐቡዎ ዝርከቡ ጉድኣት ንምክልኻል ጥቡቕ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተዛሪበን፡፡

እቲ ሕብረት ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት እቶም ማሕበራዊ ሚዲያ ገፃት ገደብ ዕድመ ንኸቕምጡ ኣገዳዲ መምርሒ ዕላዊ ከምዝገብር ምግላፀን ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.