ልዑል መድረኽ ዘተ ፖሊሲ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ልዑል መድረኽ ዘተ ፖሊሲ ይካየድ ኣሎ።
እቲ መድረኽ ንሃገራዊ ድሕንነት ኢትዮጵያን ንመፃኢ ዕድል ምብራቕ ኣፍሪካን ቅርፂ ዝህቡ ዞባዊ ኩነታትን ስትራቴጂካዊ ተፎካከርቲ ስግኣታትን ንምምርማር ዝዓለመ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ ኮማንዳንት ኮሌጅ ሃገራዊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ጥላሁን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም ኣብ ዝተለዋወጡ ውሽጣውን ግዳማውን ተቓራኒ ብድሆታት ሉኣላውነት ኢትዮጵያ፣ ሓድነት ግዝኣታን ግዝኣታዊ ሓድነታን፣ ከምኡ’ውን ስትራቴጂካዊ ረብሓታታ ምሕላው ዘለዎ ኣገዳስነት ኣፅንኦት ሂቦም።
ብተወሳኺ ጂኦፖለቲካውን ጂኦስትራቴጂካውን ኣቋም ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ኣብ መረዳእታ ዝተመርኮሱ ዘተታት ፖሊሲን ዝተዋደዱ ሃገራዊ ፃዕርታትን ኣድለይቲ ምዃኖም ኣብሪሆም።
እቲ መድረኽ ዘተ ብኮሌጅ ሃገራዊ ምክልኻል ኢትዮጵያን ትካል ወፃኢ ጉዳያትን ብሓባር ተዳልዩ።