Fana: At a Speed of Life!

ሓቃዊ ብልፅግና ዝመፅእ ጉልበት፣ሃፍትን ፍልጠትን ዜጋታት ደሚርካ ምጥቃም እንትከኣል እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

አዲስ አበባ፣ 11 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ሓቃዊ ብልፅግና ዝመፅእ ዓብዪ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ልዕሊ 130 ሚልዮን ዜጋታት ጉልበቶም፣ሃፍቶምን ፍልጠቶምን እንትሓውሱ እዩ ኢሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ሽዋ ወረዳ ጎሮ ወፍሪ ክረምታዊ ሰናይ ፍቃድ ሎሚዘበን ሎሚ ብዕሊ ኣጀሚሮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽ ስራሕቲ ክረምታዊ ሰናይ ፍቃድ ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብዙሕ ውፅኢት ኣምፂኡ እዩ ኢሎም፡፡
መንግስቲ ብዘለዎ ዓቅሚ በጀትን ገንዘብን ጥራሕ ክረጋገፅ ዝኽእል ዘላቂ ብልፅግና ከምዘየሎ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ሓቃዊ ብልፅግና ዝመፅእ ዓብዪ ሃፍቲ እታ ሃገር ዝኾኑ ልዕሊ 130 ሚልዮን ዜጋታት ጉልበቶም፤ሃፍቶምን ፍልጠቶምን እንትሓውሱ ምኳኑ ኣገንዚቦም፡፡
ነዙይ ብመርኣያነት ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዓመታት ውሽጢ ብተሳትፎ ማሕበረሰብ ዝሃነፅዎ 35 ሽሕ መውዓሊ ህፃናት ከምኣብነት ኣልዒሎም፡፡
እዚ ሰፊሕ ህንፀት መንግስቲ በይኑ ተሊሙ ንምስራሕ እንተፈቲኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነስ መንግስትታት ኣፍሪካውን እንተኾኑ ዓመታት ከፅሖም ከምዝኽእል ኣመላኺቶም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን በዚ ሃገር በቆል ዓቅሚ ልዕሊ 4 ሚልዮን ህፃናት ኣብ መውዓሊ ህፃናት ተሓቂፎም ናይ ምምሃር ዕድል ምርካቦም ኣብሪሆም፡፡
ሰናይ ፍቃድ ብዋናነት ዓቅሚ ዝሰኣኑ ሰባት መንበሪ ገዝኦም ስራሕቲ ምፅጋንን ምህናፅን ዝሓቆፈ እዩ ኢሎም፡፡
ብተወሳኺውን ፈልስታት ፍራምረን ሃገር በቆልን ብምትካል ከምኡውን ኣብ ገለገለ ከባቢታት ባህርዛፋት ኣብ መዳይ ምንካይ ዝስርሑ ተግባራት ሓለዋ ከባቢ ናይዚ ሰናይ ፍቃድ ግልጋሎት ቀንዲ ኣካል ምኳኑ ኣረዲኦም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብግልጋሎት ሰናይ ፍቃድ ካብ በጀት ወፃኢ ዝኾኑን ዕለታዊ ፀገማት ማሕበረሰብን ዝፈትሑ ብርክት ዝበሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምክያዶም ኣልዒሎም፡፡
ብሶስና ኣለማየሁ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.