ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ትግራይ ተጣይሹ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ተወከልቲ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፣ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐሱ 19 ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዝተረኸቡሉ መድረኽ፣ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ትግራይ ብዕሊ ተጣይሹ።
ኣብቲ መድረኽ ምስረታ ኣመራርሓ ሓሙሽተ ፓርቲታት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ቤት ምኽሪ ብምዃን ተመሪፆም።
ብመሰረት እዚ፡-
ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ኣካቢ፣
ኣይተ ብርሃነ ገብረፃዲቕ ምክትል ኣካቢ፣
ኣይተ ከበደ ኣሰፋ ፀሓፊ እቲ ቤት ምኽሪ ብምዃን ተመሪፆም።
ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስን ኣይተ ጉዕሽ ጊደይን ድማ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ብምዃን ተመሪፆም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ