ሓበራዊ ተረባሕነት ኢትዮ ስዑድ ዓረብ ንምሕላው ክልተኣዊ ርክብ ክጠናኸር ኣለዎ – ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ሓበራዊ ተረባሕነት ኢትዮ ስዑድ ዓረብ ንምሕላው ክልተኣዊ ርክብ ክጠናኸር ኣለዎ ኢሎም፡፡
እቶም ሚኒስትር ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ዋሊድ ኤልኬሬጅ ኣብ ክልተኣዊን ርክብን ዞባዊ ሓበራዊ ድሌታትን ብምሃብ ተዛቲዮም።
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብን ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ርክብን ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢን ኣለወን።
ሓበራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ንምሕላው እቲ ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ድሕንነት ምሕላውን ብሕጋዊ መገዲ ንዝመፅኡ ኢትዮጵያውያን ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ምፍላጥን ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡
ዋሊድ ኤልኬሬጅ ብግደኦም÷ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያን ህዝባን ዘለዋ ዝፀንሐ ታሪኻዊ ርክብ ልዑል ቦታ ከምትህቦ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ብሕጋዊ መገዲ ናብ ስዑድ ዓረብ ዝኣትዉሉ ኩነታት ብምፍጣር ድሕንነቶም ምርግጋፅ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳያ ሰላምን ፀፅታን ሓሳቦም ዝተለዋወጡ እንትኾኑ፤ ብፍይ ኣብቲ ዞባ ዝረኣዩ ጎንፂታት እቶም ጎንፂታት ንምፍታሕ ልዝብ ብሕታዊ ኣማራፂ ክኸውን ከምዝግባእ ምዝታዮም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ፡፡