Fana: At a Speed of Life!

ሓበሬታ ጥንኹር ሃገረ መንግስቲ ዝህነፀሉ ቁልፊ ናይ ልኡላውነት ዓንዲ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓበሬታ ጥንኹር ሃገረ መንግስቲ ዝህነፀሉ ቁልፊ ናይ ልኡላውነት ዓንዲን ስትራተጂካዊ ሃፍቲ ናይዚ ዘመንን እዩ ኢሎም፡፡
“ልኡላውነት ሓበሬታ ንናፅነት ፖሊሲ” ብዝብል መሪሐ ሓሳብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓበሬታ ስታቲስቲክስ ልኡላውነት ጉዕዞ ኣብ ዘመዝገበቶ ዓወት ጠመተ ዝገበረ ጉባኤ ተካይዱ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገፆም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብቲ ዓውዲ ዝተመዝገበ ዓወት ኣብ ዝተኣወጀሉ ሃገራዊ ዋዕላን ኤግዚቢሽንን ዝተዓዘብዎ ምዕባለ ኣዝዩ ዘሐጉስ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ግዳማዊ ኣካላት ዝምርኮስ ሓበሬታ ሃገራዊ ባህግታትና ንምዕዋት ከምዘየኽእለና ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ናይ ገዛእ ርእስና ሓበሬታ ምእካብን ምትንታንን ልኡላውነት ፖሊሲ ንምርግጋፅ ወሳኒ እታወታት ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ብፍልጠትን ክእለትን ደቂ ሃገርና ስራሕቲ ምእካብን ትንተናን ሓበሬታ ክካየድ ምርኣይ ዓብዩ ሃገራዊ ሓበን እዩ ኢሎም።
ኣብ ሓበሬታ ትኹረትና ኣብ ብዝሒ ውፅኢት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ህዝቢ ጠመተ ዝገበረ ዝጭበጥን ለውጢ ኣብ ህይወት ዜጋታት ክኸውን ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.