ሓይሊ ኣብዮት ንኩለመዳያ ብራኸ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ንሓንቲ ሃገር ዕብየት ቁጠባን ስግግር ኢንዱስትሪን፣ ከምኡ’ውን ኩለመዳያዊ ብልፅግናን ንምምፃእ ውሑስን ዘተኣማምንን ቀረብ ሓይሊ ልዑል ግደ ኣለዎ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝጀመረቶ ጉዕዞ ንስራሕ ክዉን ክኸውን ዝኽእል ድማ ዘተኣማምንን ዘላቒን መሰረተ ልምዓት ሓይሊ እንተሃልዩ ጥራይ እዩ።
“ሕዳሴ ኢትዮጵያ ብዘይ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ክሕሰብ ኣይከኣልን። ኣቕርቦት ሓይሊ ዓንዲ ሑቐ ስግግር ኢንዱስትሪ፣ ሕርሻን ቴክኖሎጂን እዩ። ንሕና ሓይሊ እንፈጥር ንዓና ብርሃን ንምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሃገራት ነቲ ዞባ ብቁጠባ ንምትእስሳርን ኣፍሪካዊ ሕውነት ብሓባራዊ ልምዓት ንምጥንኻርን እዩ።” ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ኣብ ተርባይን ዓብዪ ግድብ ሕዳሴ ኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ስራሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ዝተዛረብዎ እዩ።
ናይ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መደረ ንሓንቲ ሃገር ኩለመዳያዊ ብልፅግና ሓይሊ ክሳብ ክንደይ መሰረታዊ ከም ዝኾነ ዘርኢ እዩ። ሓይሊ ቁጠባ ሓንቲ ሃገርን ብልፅግና ህዝብታታን ብዓቐን ኣቕርቦት ሓይሊ እታ ሃገር ክምዘን ይከኣል።
ብምኳኑ ፍልፍላት ተሓደስቲ ሓይሊ ምልማዕ ናይ እታ ሃገር ስግግር ኢንዱስትሪ፣ ቴክኖሎጂን ከተማነትን ዝመርሕ ቀንዲ ሞተር ኮይኑ ኣብ ምክያድ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ሰፊሕ ስራሕ፣ ዓቕሚ ምፍጣር ሓይሊ እታ ሃገር ካብ 4 ነጥቢ 462 ሜጋ ዋት ተበጊሱ፣ ካብ ክልተ ዕፅፊ ንላዕሊ ብምዕባይ፣ ካብ 9 ነጥቢ 730 ሜጋ ዋት ንላዕሊ በፂሑ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ እተፍልፍሎ ሓይሊ ኣብ ዝተኻእለ መጠን ምሉእ ብምሉእ ካብ ንከባቢ ብክለት ነፃ ዝኾኑ ተሓደስቲ ፍልፍላት ዝርከብ እዩ። ንሳቶም ድማ ሓይሊ ማይ፣ ሓይሊ ንፋስ፣ ሓይሊ ደረቕ ጉሓፍ፣ ሓይሊ ፀሓይን ጂኦተርማል ሓይልን እዮም።
እቲ ግድብ ብኹሎም ተርባይናቱ ምሉእ ብምሉእ ሓይሊ ምፍጣር ምስ ጀመረ ካብ 5000 ሜጋ ዋት ንላዕሊ ሓይሊ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ክህልዎ እዩ።
ብተወሳኺ ህንፀቱ 77 ሚእታዊት ዝበፅሐ ፕሮጀክት ምፍጣር ሓይሊ ኮይሻ ምስ ተዛዘመ 1 ሽሕን800 ሜጋ ዋት ተወሳኺ ሓይሊ ናብ ቀንዲ መስመር ክሕወስ እዩ።
ዘተኣማምን ርካሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኢንዱስትሪታት ፍርያት ንኮንስትራክሽንን ንቴክኖሎጂ ፓርክታትን ብምቕራብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኣፍራይነት ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ሸርፊ ወፃኢ እናርከበ ይርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ንሱዳን፣ ጅቡቲን ኬንያን ኤሌክትሪክ ትሸይጥ ኣላ።
ብተወሳኺ ናብ ታንዛንያን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን መስመራት ሓይሊ ንምዝርጋሕን መሸጣ ንምጅማርን ዝተገብሩ ስምምዓት እናተፈፀሙ ይርከቡ። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ቀጣናኡ ማእከል ሓይሊ ክትከውን ይገብራ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) “መገዲ መደመር” ኣብ ዝብል መፅሓፎም ከም ዝገለፅዎ፣ ናይ ሓቂ ልምዓትን ዕቤትን ዝረጋገፅ ብውሽጢ ሃገር ብዝግበር ፃዕሪ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝፍጠር ጥቡቕ ቁጠባዊ ርክብን ሓባራዊ ተጠቃሚነትን እዩ።
ልምዓት ኣቕርቦት ሓይሊ፣ ደረጃ ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽ፣ ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ንምስፋሕ፣ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኣፍሪካ ተመራፂት ማእከል ተሓደስቲ ሓይልን ሓምለዋይ ኢኮኖሚን ንምግባር ይካየድ ዘሎ ታሪኻዊ ስግግር እዩ። እዚ ድማ ጉዕዞ ምንስራሕ ኢትዮጵያ የቀላጥፍ ኣሎ።
ብታሪኩ ለገሰ