Fana: At a Speed of Life!

ሓደሽቲ ሓሳባት መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ጭቡጥ ዝላ ክምዝገቡ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሓደሽቲ ሓሳባት መንግስቲን ብምትሕብባር ህዝቢን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝርኣዩን ዝጭበጡን ዝላታት ተመዝጊቦም ኢሎም ዝተፈላለዩ ኣመራርሓታት ተናሓናሕቲ ፓርቲታት።

ምክትል ኣካቢ ፓርቲ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣይተ በየነ ደሳለኝ፤ መዓልታት ጳጉሜን ብዝተፈላለዩ ስያመታት ክኽበራ ምግበሩ፤ እታ ሃገር ዘመዝገበቶም ዓወታት ብምዝኽኻር ንቐፃሊ ጉዕዞ ስንቂ ንምግባር ዘተባብዕ ክኸውን እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሃገር በቆል ሓሳባትን ፖሊሲታትን ሃገራዊ ዓቕምታት ንምጥቃም ዘኽእሉ ሪፎርምታት ኢኮኖሚ ብዙሓት ተበግሶታት ልምዓት ብምትግባር ዘደንቑ ዝላታት ከምዘመዝገበ ፀሪሖም።

ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣብ ልምዓት ስርናይ ብመስኖ ስርናይ ሓጋይ ዝመፅአ ለውጢን ዝተመዝገበ ዓወትን ክነኣድ ዝግበኦ እዩ ኢሎም።

ዝተፈላለዩ ኢኒሼቲቫት ሕርሻ ኣረኣእያ ፅግዕተኛነትን ተፀባይነትን ብምውጋድ ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ተረባሕነት ዜጋታት ከምዘረጋገፁ እውን ፀሪሖም።

ኣብ ካልኦት ዘፈራት ዝተመዝገቡ ዓወታት እውን፣ ዕምረት ዝተመዝገበሎምን ውጽኢታዊ ውጽኢት ዝተረኽበሎምን ከም ዝኾኑ እዮም ዘዘኻኽሩ።

ፈፃሚ ስራሕ ኣመራርሓ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን)ን መተሓባበሪ ክልል ኦሮሚያን ኣይተ ሓብታሙ ተሰማ ብግደኦም፤ ብመንግስቲ ሃገር በቆልን ሓደሽቲ ሓሳባትን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘደንቕ ውፅኢት ክምዝገብ ከምዝኸኣለ ተዓዚብና ኢና ኢሎም።

ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢን ዝቕባበ ዋጋን ብምፅዋር እንተይተረፈ ምስሊ እታ ሃገር ዝለወጡ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብፅሬትን ብቅልጣፈን ብምፍፃም ዝለዓለ ፃላ ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ኣገባብ ብምኽታል፣ ኣብ ሃገር ዘሎ ኢንዱስትሪ ፍርያት ክስፋሕፋሕ ምግባሩ፣ ንዜጋታት ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ፣ ሸርፊ ወፃኢ ዝፃእ ወፃኢታት ንምንካይ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ከምዝሰርሐ ንግዜኢ ኣብሪሆም።

ኣብ መእተዊ ሓዱሽ ዓመት ዘለዋ መዓልታት ጳጉሜን ብዝተፈላለዩ ስያመታት ምኽባረን ፅቡቓት ሓሳባት ንኸነፈልፍልን ፍሉይ ስምዒት ንኽሓድረናን ዝገብር እዩ ዝበላ ድማ መተሓባበሪት ዞባ ምብራቕ ሸዋ ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ወይዘሮ ሰናይት በላይ እየን።

መንግስቲ ኣብ ሒደት ዓመታት ንኢትዮጵያ ካብ ተረዳኣይነት ናብ መፍያይነት ብምስግጋር ብፍላይ ድማ ኣብ ልምዓት መስኖ ስርናይ ካብ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ሓፉ ንወፃኢ ዕዳጋ ምቕራብ ምኽኣሉ ልዑል ዝላ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣብ ዓውዲታት ቱሪዝም፣ ዲጂታላይዜሽን፣ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር፣ ኣትክልቲን ፍረምረን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ዕቤት እንትምዝገብ ክንርኢ ክኢልና ኢለን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.