ሓዱሽ ዓመት ዕቤት ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ደረጃ እነሳግረሉ ክኀውን ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓዱሽ ዓመት ህንፀት ባህሊ ዴሞክራሲ ብምጉልባት ዕቤት ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ደረጃ እነሰጋግረሉ ክኸውን ኢዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፡፡
እቶም ኣፈ ጉባኤ ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብጸሐኩም÷ እቲ በዓል ኣሰር ደምን ረሃፅን ብሄር ብሄረሰባት ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ፅባሕ ዝተዛዘመሉ ዝኽበር ከምዝኾነ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ ኢሎመም፡፡
ኣረጊት ብሓዱሽ ንምትካእ ፈተናታት ብፅንዓት፣ ብጥበብን ብተስፋን ምስጋር ዝሓትት ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ናብ ብልፅግና ዘብፅሕ ጎደና ንምድልዳል ብሓድነትን ብመንፈስ ሕውነትን ምስጓም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት ጉዕዞ ብልፅግና ዘቀላጥፉን ተወዳደርቲ ዝገብሩን ትልሚታት ልምዓት ሃቂንና ኢና ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ብዓወት ብምውፃእ ንዝመፅኡ ዓመታት መሰረት ኣንቢርካ ምሕላፍ ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!